መደብ 16 ሰነ እትጅምር ሰሙን
16 ሰነ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 12ን ጸሎትን
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
jr ምዕ. 8 ¶1-7 (30 ደቒቕ)
ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘሌዋውያን 6-9 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ዘሌዋውያን 8:18-30 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ሰበይቲ፡ ሰብኣያ ኻብ ኣምላኽ ኪፈልያ ኸተፍቅደሉ የብላን—td 15ለ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ንዘመናውያን ኣቤሴሎም ንኸነለልዮምን ብኣታቶም ንኸይንጽሎን እንታይ ክንገብር ንኽእል፧—w12 15/7 ገጽ 13 ¶5-9 (5 ደቒቕ)
ኣኼባ ኣገልግሎት፦
15 ደቒቕ፦ ጽቡቕ ጠባይ—ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ዚልለዩሉ ባህርይ። ሓደ ሽማግለ ኻብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና (km 8/01) ገጽ 3-4፡ ሕጡብ ጽሑፍ 1, 5-7 ኸምኡ እውን ሕጡብ ጽሑፍ 9-12፡ ኣድላዪ ዝዀነ ነጥብታት የቕርብ።
15 ደቒቕ፦ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ዚሕግዝ ሓሙሽተ መገድታት። ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና (km 10/12 ገጽ 7) ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ። ንሕጡብ 2 ምስ ተመያየጥኩምላ፡ ንሓንቲ ኻብተን ሓደስቲ ትራክትታት ተጠቒምካ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከተጀምር ከም እትኽእል ዜርኢ ሓጺር መርኣያ ኸም ዚቐርብ ግበር። ብዘይካዚ፡ ነታ ብስራት ኣምላኽ ዘርእስታ ብሮሹርን ሓቂ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ዘርእስታ ትራክትን ኪጥቀሙለን፡ ከምኡ እውን ኣብ ክልኹም ብዚዝረብ እተፈላለየ ቛንቋታት ኪሕዝወን ንዅሎም ኣተባብዓዮም።
መዝሙር 4ን ጸሎትን