ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 6/14 ገጽ 1
  • መደብ 9 ሰነ እትጅምር ሰሙን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መደብ 9 ሰነ እትጅምር ሰሙን
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 9 ሰነ እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
km 6/14 ገጽ 1

መደብ 9 ሰነ እትጅምር ሰሙን

9 ሰነ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 24⁠ን ጸሎትን

መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦

jr ምዕ. 7 ¶14-20 (30 ደቒቕ)

ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘሌዋውያን 1-5 (10 ደቒቕ)

ቍ. 1፦ ዘሌዋውያን 4:16-31 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)

ቍ. 2፦ ክርስትያናት ምጽራር ዜጋጥሞም ስለምንታይ እዩ፧—td 15ሀ (5 ደቒቕ)

ቍ. 3፦ ኣቤሴሎም—ህርፋን ስልጣንን ትዕቢትን ብሓቂ ናብ ውርደት እዩ ዚመርሕ—w00 1/8 ገጽ 11 ¶10–ገጽ 12 ¶14 (5 ደቒቕ)

ኣኼባ ኣገልግሎት፦

መዝሙር 2

15 ደቒቕ፦ ፈቲንካዮዶ፧ ምይይጥ። ኣብዘን ቀጺለን ዘለዋ ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጻ ዓንቀጻት ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ተመርኲስካ፡ ሕጽር ዝበለ መደረ ኣቕርብ፦ “ህዝባዊ ምስክርነት ዚውሃበሉ ሓድሽ መገዲ” (km 7/13)፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር ንእትብሃል መጽሓፍ ኪቕበሉ ድሉዋት ንዘይኰኑ ሰባት ዚኸውን ሓገዝ” (km 12/13) ከምኡ እውን “ምብጽጻሕ መጽሔት፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ይሕግዝ” (km 1/14)። ንሰማዕቲ፡ ነቲ ሓሳብ ኣብ ግብሪ ብምውዓሎም ብኸመይ ከም እተጠቕሙ ንኺገልጹ ዓድሞም። ብዘይካዚ፡ ንሰማዕቲ ተመላሊስካ ምብጻሕ ብምግባር ወይ ሓድሽ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጅማር ንዝረኸብዎ እዋናዊ ተመክሮታት ኬዘንትዉ ዓድሞም። ‘ከምዚ ንኽትገብሩ ዝደረኸኩም እንታይ እዩ፧ ኣሳልጦ ንኽትረኽቡ ዝሓገዘኩም እንታይ እዩ፧’ ኢልካ ሕተት። ነቶም እተሳተፉ ብምንኣድን ካልኦት ከምኡ ንኺገብሩ ብምትብባዕ ድማ ዛዝም።

15 ደቒቕ፦ “ፍሉይ ንጥፈት ዚካየደላ ታሪኻዊት ወርሒ ነሓሰ።” ብሓላው ኣገልግሎት ዚቐርብ ሕቶታትን መልስታትን። ንዅሎም ተኣከብቲ ሓሓንቲ ቕዳሕ እታ ንኣገዳሲ ሕቶታት ህይወት ኣበይ መልሲ ኽንረኽበሉ ንኽእል፧ ዘርእስታ ትራክት ከም ዚዕደል ግበር፣ ድሕሪኡ ንትሕዝቶኣ ተመያየጡሉ። ክሊ እታ ጉባኤ ንምሽፋን እንታይ ምድላዋት ከም እተገብረ ድማ ግለጽ።

መዝሙር 16⁠ን ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ