ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 5/14 ገጽ 3
  • ሳጹን ሕቶ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሳጹን ሕቶ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ስድራ ቤትካ ብኸመይ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል፧—2ይ ክፋል
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም፡ ንየሆዋ ኼፍቅርዎ ሓግዝዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ብመንፈስ ድልድልቲ ስድራቤት ምህናጽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ንወብ ሳይትና ተጠቒምካ ንደቅኻ ምሃሮም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
km 5/14 ገጽ 3

ሳጹን ሕቶ

◼ ቈልዑ ናብ መንፈሳዊ ብስለት ምእንቲ ኺበጽሑ፡ እንታይ ኪመሃሩ ኣለዎም፧

ክርስትያን ወለዲ፡ ንደቆም “ብተግሳጽን ብምዕዶን የሆዋ” ንኼዕብይዎም ይጽዕሩ እዮም። (ኤፌ. 6:4) ንኣብነት፡ ምስ ደቆም ኰይኖም ንግሆ ንግሆ ብዛዕባ ጥቕሲ ዕለት ምምይያጥ፡ ጠቓሚ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም። ስድራ ቤታት ኣብ እዋን ኣምልኾ ስድራ ቤትን ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታትን ብሓባር ቪድዮ ኺርእያን ኪመያየጣን፡ ብዛዕባ እተወሰነ ኽፋል እታ መንእሰያት ዚሓትዎ ዘርእስታ መጽሓፍ ኪዘራረባ፡ ንሓደ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ብተዋስኦ መልክዕ ኬቕርብኦ፡ ወይ ከኣ ወይ ልምምድ ኪገብራ ይኽእላ እየን። ይኹን እምበር፡ ቈልዑ ‘ናብ ብስለት ምእንቲ ኺግስግሱ፡’ ዓሚቝ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ኪመሃሩ ኣለዎም።—እብ. 6:1።

ነቶም ኣብ ክልና እንረኽቦም ሰባት እንታይ ከም እንምህሮም እስከ ንሕሰብ። ኣብ ናይ ፈለማ ምብጻሕ ወይ ድማ ኣብ ተኸታታሊ ምብጻሓት፡ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ተጠቒምና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከነጀምሮም ኢና እንጽዕር። ነዛ ሕታም እዚኣ ምስ ወዳእናያ ድማ፡ ነታ “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ” ዘርእስታ መጽሓፍ ኢና እንጥቀም። ስለምንታይ፧ እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ፡ ንተመሃሮ መሰረታዊ ፍልጠት ቅዱሳት ጽሑፋት እያ እትህቦም። መጽሓፍ “ፍቕሪ ኣምላኽ” ድማ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም ዜውዕልዎ ትምህሮም። ሓደስቲ ሰባት ነዘን ክልተ ሕታማት እዚአን ምጽንዖም፡ ኣብ ክርስቶስ ‘ሱር ንኺሰድዱን ብእምነት ንኺጸንዑን’ ይሕግዛኦም እየን። (ቈሎ. 2:6, 7) እዚ ጽሑፋት እዚ፡ ንደቅና እውን ዚጠቅም ደይኰነን፧ ንሳቶም እውን ብዛዕባ በጃን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ብዛዕባ ዅነታት ምዉታትን ኪመሃሩ የድልዮም እዩ። ኣምላኽ ስለምንታይ መከራ ኺህሉ ኸም ዝፈቐደን ዳሕሮት መዓልትታት እዚ ስርዓት ዓለም እዚ ብኸመይ ከም ዚልለን ኪፈልጡ ኣለዎም። ሓቂ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዘላ ኺኣምኑ ድማ ይግብኦም። ቈልዑ፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስን ን“ልቦናኦም” ብኸመይ ኬላምዱ ኸም ዘለዎምን ኪርድኡ እውን የድልዮም እዩ። (እብ. 5:14) ሓቂ እዩ፡ ወለዲ ንዕድመን ንደረጃ ምስትውዓልን ደቆም ኣብ ግምት ኬእትዉ ኣለዎም። ይኹን እምበር፡ ብዙሓት ቈልዑ፡ ብንኣሽቶኦም እውን ከይተረፈ፡ ዓሚቚ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪመሃሩ ይኽእሉ እዮም።—ሉቃ. 2:42, 46, 47።

ንወለዲ ንምሕጋዝ፡ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ እተመስረተ ስታዲ ጋይድ (ኣርእስትታት መጽናዕቲ) ኣብ jw.org ኪወጽእ እዩ። ስድራ ቤታት ነዚ ጽሑፍ እዚ፡ ብእንግሊዝኛ ኣብ ትሕቲ BIBLE TEACHINGS > TEENAGERS (ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ > መንእሰያት) ዚብል ክፋል ወብ ሳይትና ኺረኽባኦ ይኽእላ እየን። ኣብ መጻኢ፡ ኣብታ “ፍቕሪ ኣምላኽ” እትብሃል መጽሓፍ እተመስረተ ተወሳኺ ስታዲ ጋይድ (ኣርእስትታት መጽናዕቲ) ኪዳሎ እዩ። ሓቂ እዩ፡ እተሓትመ ቕዳሕ እዘን መጻሕፍቲ እዚአን ምጥቃም እውን ይከኣል እዩ። ወለዲ ኣብታ ኣምልኾ ስድራ ቤት ዚገብሩላ ምሸት፡ ምስ ሓደ ኻብ ደቆም መጽናዕቲ ኣብ ዚገብሩሉ እዋን፡ ወይ ድማ ንሓደ ቘልዓ ናይ ብሕቱ መጽናዕቲ ኺገብር ኣብ ዜሰልጥኑሉ እዋን፡ ንገለ ኽፋል እዚ ጽሑፋት እዚ ኺጥቀሙሉ ዚኽእሉ እንተ ዀይኖም ኪውስኑ ይኽእሉ እዮም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ