ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ንመገላግልትኻ ደግፎ
ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፦ የሱስ ምስ መገላግልቲ ዄንካ ዚግበር ስብከት ጠቓሚ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ነቶም 70 ደቀ መዛሙርቱ ቀቅድሚኡ ኸይዶም ንኺሰብኩ ኺልእኮም ከሎ፡ በብኽልተ ገይሩ እዩ ሰዲድዎም። (ሉቃ. 10:1) ሓደ መገላግልቲ፡ እቲ መገላግልቱ ዝዀነ ኣስፋሒ ኣጸጋሚ ዅነታት ወይ ንሓደ ብዓል ቤት ብኸመይ ከም ዚምልሰሉ ርግጸኛ ኣብ ዘይኰነሉ እዋን፡ ኣድላዪ ሓገዝ ኪገብረሉ ይኽእል እዩ። (መክ. 4:9, 10) ተመክሮኡን ሓድሓደ ግዜ ድማ ነቲ መገላግልቱ ውጽኢታ ወንጌላዊ ኪኸውን ዜኽእሎ ሓሳባትን ኬካፍሎ ይኽእል እዩ። (ምሳ. 27:17) ብዘይካዚ፡ ኣብ መንጎ ኣገልግሎቶም ሃናጺ ዝርርብ ብምግባር ኬተባብዖ ይኽእል እዩ።—ፊል. 4:8።
ኣብዛ ወርሒ እዚኣ፡ ነዚ ፈትኖ፦
ምስ ሓደ ኣስፋሒ ኣብ ኣገልግሎት ድሕሪ ምክፋልካ፡ እቲ ኣስፋሒ ንእተዛረቦ ወይ ዝገበሮ ነገር ጠቒስካ ንፉዕ መገላግልቲ ኸም ዝዀነ ንገሮ።