መደብ 6 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
6 ጥሪ 2014 እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 46ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
jr ምዕ. 1 ¶1-7 (30 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘፍጥረት 1-5 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ዘፍጥረት 4:1-16 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ መውስቦ ኽቡር ኪኸውን ኣለዎ—td 8ሀ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ኣሮን—ንክርስትያናት ሰናይ ኣብነት ዝዀነሉ መገድታት—w96 15/1 ገጽ 24, 25 (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
10 ደቒቕ፦ ኣብ ጥሪ መጽሔታት ንምዕዳል ዚጠቅም ሓሳባት። ምይይጥ። እተን መጽሔታት ኣብ ክልኹም ሰፊሕ ተቐባልነት ኪህልወን ዚኽእለሉ ምኽንያት፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ ግለጽ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ፡ ነቲ ተኸታታሊ ኣርእስትታት ገበር ግምቢ ዘብዐኛ ተጠቒሞም እንታይ ተገዳስነት ዜለዓዕል ሕቶ ኺሓትቱ ኸም ዝሓሰቡ ሕተቶም። ካብኡ፡ ነየነይቲ ጥቕሲ ኼንብቡ ኸም ዝወሰኑ ኺገልጹ ዓድሞም። ነቲ ተኸታታሊ ኣርእስትታት ገበር ንቕሑ! እውን ከምኡ ግበር፣ ግዜ እንተ ኣልዩ ድማ ካብ ሓዲኡ መጽሔት ካልእ ዓንቀጽ ወስኽ። ነፍሲ ወከፍ መጽሔት ብኸመይ ክትብርከት ከም እትኽእል ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።
10 ደቒቕ፦ ነታ ጉባኤ ዜድሊ
10 ደቒቕ፦ እንታይ ንመሃር፧ ምይይጥ። 1 ቈረንቶስ 9:19-23 ትነበብ። እቲ ጸብጻብ ብኸመይ ኣብ ኣገልግሎትና ኺሕግዘና ኸም ዚኽእል ግለጽ።
መዝሙር 7ን ጸሎትን