መደብ 16 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
16 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 43ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
jl ትምህርቲ 20-22 (30 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ራእይ 1-6 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ራእይ 3:14–4:8 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ መንፈስ ቅዱስ እንታይ እዩ፧—td 7ሀ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ‘ኣርኣያ ዝሃቦም’ በየናይ መገድታት እዩ፧—ዮሃ. 13:15 (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
10 ደቒቕ፦ እንታይ ዓሚምና፧ ብሓላው ኣገልግሎት ዚቐርብ ምይይጥ። ዜና መንግስቲ ኣምላኽ ቍ. 38 ብምዕዳል ኣብ እተገብረ ወፈራ ኽንደይ ዚኣክል ክሊ ኸም እተሸፈነ፡ ነታ ጉባኤ ሓብራ። ኣብቲ ወፈራ ብምክፋሎም ብኸመይ ከም እተጠቕሙን ዝረኸብዎ ብሉጽ ተመክሮታት ኬዘንትዉን ንሰማዕቲ ዓድሞም።
10 ደቒቕ፦ ንየሆዋ ዚውድሱ መንእሰያት። (መዝ. 148:12, 13) ኣብነታውያን ንዝዀኑ ኽልተ ወይ ሰለስተ መንእሰያት ቃለ መጠይቕ ግበረሎም። እንታይ ንእምነቶም ዚፍትን ብድሆታት እዩ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዜጋጠሞም፧ ነዚ ብድሆታት እዚ ንኺዋጽእሉ ወለዶምን ካልኦትን ብኸመይ ሓጊዞምዎም፧ ብዛዕባ ክርስትያናዊ እምነቶም ንኺዛረቡ ትብዓት ዝረኸቡ ኻበይ እዮም፧ ተመክሮኦም ንኺዛረቡ ዓድሞም።
10 ደቒቕ፦ “ብኤርምያስ ኣቢሉ እተዋህበና ቓል ኣምላኽ።” ሕቶታትን መልስታትን።
መዝሙር 28ን ጸሎትን