ሳጹን ሕቶ
◼ ሓንቲ ኣስፋሒት ምስ ሓደ ኣስፋሒ ኣብ ኣፍ ደገ ዀይና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ ከላ፡ ርእሳ ኽትጕልበብ ኣለዋዶ፧
ሓንቲ ኣስፋሒት፡ ስሩዕን ብመደብ ዚግበር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ እትመርሓሉ እዋን፡ ሓደ ኣስፋሒ ምስኣ እንተ ደኣ ኣልዩ፡ ርእሳ ኽትጕልበብ ግቡእ እዩ። (1 ቈረ. 11:3-10) እታ ናይ 15 ሓምለ 2002 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 27 ከምዚ ዚስዕብ ትብል፦ “ኣብዚ መደብ እዚ፡ እቲ ዚምህር ነቲ መጽናዕቲ ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ኣለዎ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ እቲ መጽናዕቲ ኻብ ጉባኤ ብዙሕ ዚፍለ ኣይኰነን። ስለዚ፡ ሓንቲ ሓብቲ ምስ ሓደ እተጠምቀ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እትመርሕ ርእሳ ኽትጕልበብ ኣለዋ።” ሓደ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ መንግስቲ ኣምላኽ ምስኣ እንተ ደኣ ኣልዩ እውን፡ ከምኡ ኽትገብር ኣለዋ። እቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ቤት፡ ኣብ ኣፍ ደገ፡ ወይ ኣብ ካልእ ቦታ ይኹን ብዘየገድስ፡ እቲ መሰረታዊ ስርዓት ተመሳሳሊ እዩ።
ብኣንጻሩ ግና፡ ሓንቲ ሓብቲ ምስ ሓደ ኣስፋሒ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይና፡ ስሩዕ ዘይኰነ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣፍ ደገ ዀይና ኣብ እትመርሓሉ እዋን፡ ዋላ እውን ዕላማ እቲ ተመላሊስካ ምብጻሕ፡ ብኸመይ መጽናዕቲ ኸም ዚጅመር ዜርኢ፡ ወይ ድማ ብሓደ ኻብቲ ንመጽናዕቲ ዚሕግዝ ጽሑፋት ተጠቒምካ፡ መጽናዕቲ ብኸመይ ከም ዚግበር ዜርኢ እንተ ዀነ፡ ኣብዚ እዋን እዚ እታ ሓብቲ ርእሳ ኽትጕልበብ ኣየድልያን እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ ኣብ ኣፍ ደገ ዚግበር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ተኸታታሊ ተመላሊስካ ምብጻሕ ብምግባር በብቝሩብ ስለ ዚቐውም፡ ኣስፋሕቲ ነቲ ዅነታት ኣብ ግምት ኬእትውዎን ርእሲ ምጕልባብ ዜድልየሉ እዋን መዓስ ከም ዝዀነ ኣብ ምውሳን ርትዓውያን ኪዀኑን ኣለዎም።