መደብ 28 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
28 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 31ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
jl ገጽ 3፡ ከምኡውን ትምህርቲ 1-2 (30 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ 1 ጢሞቴዎስ 1-6–2 ጢሞቴዎስ 1-4 (10 ደቒቕ)
ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት (20 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
5 ደቒቕ፦ “ኣብ ግዜ በዓላት እንታይ ክትገብር ኢኻ፧” መደረ።
10 ደቒቕ፦ ግብራዊ ጥቕሚ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣጕልሕ። ኣብ መጽሓፍ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት፡ ካብ ገጽ 158፡ ሕጡብ ጽሑፍ 5፡ ክሳብ ገጽ 159፡ ሕጡብ ጽሑፍ 3 ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ። እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ነቶም ኣብቲ ኸባቢ ዘለዉ ሰባት ብዜተሓሳስቦም ጕዳይ ተጠቒምካ ብኸመይ ክትብርከት ከም እትኽእል ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።
15 ደቒቕ፦ ሰዓት ምኽባር ዘለዎ ኣገዳስነት። ምይይጥ። (1) ሰዓት ብምኽባር ዝመጸ፡ የሆዋ ብሉጽ ኣብነት ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ (ኣን. 2:3) (2) ኣብ ኣኼባታት ኰነ ኣብ ኣገልግሎት ሰዓትና ምኽባርና፡ ንየሆዋ ኸም እነኽብሮን ንኻልኦት ከም እንሓልየሎምን ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧ (3) ናብ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ደንጒና እንተ መጺእና፡ እታ ጕጀለ ዀነ እቲ ዚመርሕ ሓው ዚጽለዉ ብኸመይ እዮም፧ (4) ምስ ሓደ ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብ ወይ ከኣ ምስ ተመሃራይና ቘጸራ እንተ ጌርና፡ ሰዓትና ምኽባርና ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ማቴ. 5:37) (5) ኣብ ኣገልግሎት ኰነ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ሰዓትና ንኸነኽብር ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ ግብራዊ ሓሳባት ኣሎ፧
መዝሙር 11ን ጸሎትን