ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብታ 28 ጥቅምቲ 2013 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ።
1. “ሓሳብ ክርስቶስ” ምህላው ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (1 ቈረ. 2:16) [2 መስ.፡ w08 15/7 ገጽ 27 ሕ.ጽ. 7]
2. ‘ካብ ምንዝርና ኽንሃድም’ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (1 ቈረ. 6:18) [2 መስ.፡ w08 15/7 ገጽ 27 ሕ.ጽ. 9፣ w04 15/2 ገጽ 12 ሕ.ጽ. 9]
3. ጳውሎስ፡ ኣንስቲ ‘ኣብ ጉባኤታት ስቕ ኪብላ ኣለወን’ ኢሉ ኺጽሕፍ ከሎ፡ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ (1 ቈረ. 14:34) [9 መስ.፡ w12 1/9 ገጽ 9፡ ሳጹን]
4. እተን ኣብ 2 ቈረንቶስ 1:24 ተመዝጊበን ዚርከባ ቓላት ጳውሎስ፡ ነቶም ሎሚ ዘለዉ ሽማግለታት ኪጸልውኦም ዘለወን ብኸመይ እየን፧ [16 መስ.፡ w13 15/1 ገጽ 27 ሕ.ጽ. 2-3]
5. በቲ ኣብ 2 ቈረንቶስ 9:7 ዘሎ መግለጺ ኽንምራሕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ [23 መስ.፡ g-E 5/08 ገጽ 21፡ ሳጹን]
6. ነቲ ኣብ ገላትያ 6:4 ዚርከብ ምኽሪ ጳውሎስ ምስ እነቕልበሉ፡ ክንጥቀም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ [30 መስ.፡ w12 15/12 ገጽ 13 ሕ.ጽ. 18]
7. ‘ንሓድነት መንፈስ ምሕላው’ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (ኤፌ. 4:3) [7 ጥቅ.፡ w12 15/7 ገጽ 28 ሕ.ጽ. 7]
8. ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ንድሕሪኡ ዝሓደጎ ነገራት እንታይ እዩ ተሰሚዕዎ፧ (ፊል. 3:8) [14 ጥቅ.፡ w12 15/3 ገጽ 27 ሕ.ጽ. 12]
9. እቲ “ኸም ካልኦት ኣይንደቅስ” ዚብል ማዕዳ እንታይ ኣገዳስነት እዩ ዘለዎ፧ (1 ተሰ. 5:6) [21 ጥቅ.፡ w12 15/3 ገጽ 10 ሕ.ጽ. 4]
10. መስዋእታዊ ሞት የሱስ፡ “ተመዓራራዪ በጃ” ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ (1 ጢሞ. 2:6) [28 ጥቅ.፡ w11 15/6 ገጽ 13 ሕ.ጽ. 11]