ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጅማር ኣተኵር
ካብ ግንቦት 2011 ኣትሒዙ፡ ኣስፋሕቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጀምሩ ተተባቢዖም እዮም። ከምኡ ንምግባር ንኽትሕግዘና ተባሂሉ፡ ኣብታ ሕታም ህዝቢ ግምቢ ዘብዐኛ፡ “መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ” ዘርእስታ ዓምዲ ተዳልያ እያ። ስለዚ፡ እቲ ኣብታ ቐዳመይቲ ቐዳም ዚግበር ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ፡ በዛ ኽፍሊ እዚኣ ተጠቒምና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እነጀምር ዜጕልሕን መርኣያ ዜጠቓልልን ኪኸውን ኣለዎ።
ሽማግለታት ኣብታ ቐዳመይቲ ቐዳም፡ ነፍሲ ወከፍ ጕጅለ ኣገልግሎት ነናታ ወፍሪ ኣገልግሎት ከም ዚህልዋ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም፣ ወይ ድማ ጕጅለታት ብሓንሳብ ተጠርኒፈን ምናልባት ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንኺእከባ ኺውስኑ ይኽእሉ እዮም። ይኹን እምበር፡ ሓያሎ ጉባኤታት ኣብቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚጥቀማ እንተ ደኣ ዀይነን፡ ሓያሎ ጕጅለታት ብሓንሳብ ተጠርኒፈን ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ምእንቲ ኺገብራ ተባሂሉ፡ እዛ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር እተመደበት ፍልይቲ መዓልቲ፡ ናብ ካልእ መዓልቲ ኽትቅየር የብላን።