ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብታ 26 ነሓሰ 2013 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ። ኣስፋሕቲ ኣብ ሰሰሙን፡ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ኪዳለዉ ኸለዉ ኣብ ዚገብርዎ ምርምር ምእንቲ ኺሕግዞም፡ ነፍሲ ወከፍ ነጥቢ ዚቐርበሉ ዕለት ተሓቢሩ ኣሎ።
1. ንጉስ ሄሮዶስ ንዕኡ ዘይግብኦ ውዳሰን ክብርን ካብ ሰባት ምቕባሉ፡ እንታይ መለበሚ እዩ ዚዀነና፧ (ግብ. 12:21-23) [1 ሓም.፡ w08 15/5 ገጽ 32 ሕ.ጽ. 7]
2. ክርስትያን መንእሰያት ነቲ ጢሞቴዎስ ዝሓደጎ ኣብነት ብምምርማርን ብምስዓብን ንርእሶም ኪጠቕሙ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ (ግብ 16:1, 2) [8 ሓም.፡ w08 15/5 ገጽ 32 ሕ.ጽ. 10]
3. ኣኪላስን ጵርስኪላን ንኣጵሎስ ኣብቲ ኣብ ኤፌሶን ዝነበረ ምኵራብ ብትብዓት ኪዛረብ ከሎ ምስ ሰምዕዎ፡ ብፍቕሪ ተደሪኾም ዝሓገዝዎ ብኸመይ እዮም፧ (ግብ 18:24-26) [15 ሓም.፡ w10 15/6 ገጽ 11 ሕ.ጽ. 4]
4. ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነቲ ናይ ምስባኽ መሰሎም ንምሕላው ንኣብያተ ፍርዲ እታ ዚነብሩላ ሃገር ኪጥቀሙ ኸም ዚኽእሉ ዚሕብር እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ኣሎ፧ (ግብ 25:10-12) [22 ሓም.፡ bt ገጽ 198 ሕ.ጽ. 6]
5. ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እውን ከይተረፈ፡ ንምስባኽ ዜኽእሎ ኣጋጣሚታት ዜናዲ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋኸ ኣብነቱ ዚስዕቡ ብኸመይ እዮም፧ (ግብ 28:17, 23, 30, 31) [29 ሓም.፡ bt ገጽ 215-217 ሕ.ጽ. 19-23]
6. መጽሓፍ ቅዱስ ንግብረ ሶዶም ከም ዘይባህርያውን ብዕሉግን ተግባር ገይሩ ዚገልጾ ስለምንታይ እዩ፧ (ሮሜ 1:26, 27) [5 ነሓ.፡ g-E 1/12 ገጽ 28 ሕ.ጽ. 7]
7. እቲ ብ33 ድ.ክ. “ብክርስቶስ የሱስ እተኸፍለ በጃ” “ነቲ ቐደም እተገብረ ሓጢኣት” ኪሽፍኖ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ሮሜ 3:24, 25) [5 ነሓ.፡ w08 15/6 ገጽ 29 ሕ.ጽ. 6]
8. ኣዝዩ ዜጨንቕ ኵነታት ኬጋጥመና ኸሎን እንታይ ኢልና ኸም እንጽሊ ኺጠፍኣና ኸሎን፡ የሆዋ እንታይ ፍቕራዊ መሰናድዎ እዩ ኣዳልዩልና ዘሎ፧ (ሮሜ 8:26, 27) [12 ነሓ.፡ w08 15/6 ገጽ 30 ሕ.ጽ. 10]
9. እቲ ‘ተቐበልቲ ኣጋይሽ ክንከውን’ እተዋህበና ምትብባዕ እንታይ ትርጕም ዝሓቘፈ እዩ፧ (ሮሜ 12:13) [19 ነሓ.፡ w09 15/10 ገጽ 5-6 ሕ.ጽ. 12-13]
10. ብመሰረት ምዕዶ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ክንለብሶ” እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ሮሜ 13:14) [26 ነሓ.፡ w05 1/1 ገጽ 11-12 ሕ.ጽ. 20-22]