መደብ 12 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
12 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 2ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
bt ምዕ. 25 ¶1-7፡ ኣብ ገጽ 199-200 ዘሎ ሳጹናት (30 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ሮሜ 5-8 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ሮሜ 6:21–7:12 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ናይ ሓሶት ሰረተ እምነት እተዀነነ እዩ—td 1ለ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ንስጋዊ ነገራት ቅድሚ መንፈሳዊ ነገራት ምስራዕ፡ ናብ ዕንወት ዜምርሕ ስለምንታይ እዩ፧—ማቴ. 6:33፣ 1 ጢሞ. 6:10 (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
10 ደቒቕ፦ “ቃል ኣምላኽ ንትምህርቲ ይጠቅም።” ሕቶታትን መልስታትን። ኣኼባ ወረዳ ዚግበረሉ ዕለት ይፍለጥ እንተ ዀይኑ፡ ንገር።
10 ደቒቕ፦ ኣስተዋጽኦ ኣብ ኣገልግሎት ኪሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ኣብታ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት እትብሃል መጽሓፍ፡ ካብ ገጽ 166፡ ሕጡብ ጽሑፍ 5፡ ክሳብ ገጽ 168፡ ሕጡብ ጽሑፍ 1 ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ። ኣብታ ወርሒ ዚዕደል ጽሑፍ ተጠቒምካ፡ ሓደ ኣስፋሒ ናብ ኣገልግሎት ቅድሚ ምኻዱ ሒደት ደቓይቕ ወሲዱ፡ ኣብ ኣእምሮኡ ኣስተዋጽኦ ኼዳሉ ኸሎ ዜርኢ ምስ ነብስኻ ብምዝራብ ዚግበር መርኣያ ኸም ዚቐርብ ግበር።
10 ደቒቕ፦ እንታይ ንመሃር፧ ምይይጥ። ግብሪ ሃዋርያት 8:26-31 ትነበብ። እቲ ጸብጻብ ብኸመይ ኣብ ኣገልግሎትና ኺሕግዘና ኸም ዚኽእል ግለጽ።
መዝሙር 29ን ጸሎትን