ጕሉሕ ነጥብታት ኣገልግሎት ወፍሪ
ጕሉሕ ነጥብታት እቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝነበረና ንጥፈታት፡ እዚ ዚስዕብ ይመስል፦ ዝለዓለ ቝጽሪ ኣስፋሕቲ 9,532 ነይሩ፣ ዝለዓለ ቝጽሪ ስሩዓት ፈለምቲ ኸኣ፡ 1,920 ነይሩ። ብዘይካዚ፡ 26,024 ብሮሹራት ኣበርኪትና፣ ካብ ጥሪ 2005 ንነጀው ክንድኡ ኣበርኪትና ኣይንፈልጥን ኢና። ናብዞም ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት ተመሊስኩም ብምኻድ፡ ነታ ብስራት ኣምላኽ ዘርእስታ ብሮሹር ተጠቒምኩም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምሩሎም ነተባብዓኩም።