መደብ 5 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
5 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 35ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
bt ምዕ. 24 ¶16-21 (30 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ሮሜ 1-4 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ሮሜ 3:21–4:8 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንርእሶም፡ ኣብ ዓለም “ከም ስደተኛታትን ከም ኣጋይሽን” ገይሮም ዚርእይዋ ስለምንታይ እዮም፧—1 ጴጥ. 2:11፣ 1 ዮሃ. 2:15-17 (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ሓንቲ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ጥራይ ኣላ—td 1ሀ(5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
10 ደቒቕ፦ ኣብ ነሓሰ መጽሔታት ንምዕዳል ዚጠቅም ሓሳባት። ምይይጥ። እተን መጽሔታት ኣብ ክልኹም ሰፊሕ ተቐባልነት ኪህልወን ዚኽእለሉ ምኽንያት፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ ግለጽ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ፡ ነቲ ተኸታታሊ ኣርእስትታት ገበር ግምቢ ዘብዐኛ ተጠቒሞም እንታይ ተገዳስነት ዜለዓዕል ሕቶ ኺሓትቱ ኸም ዝሓሰቡን ነየነይቲ ጥቕሲ ኼንብቡ ኸም ዝወሰኑን ኪገልጹ ዓድሞም። ነቲ ተኸታታሊ ኣርእስትታት ገበር ንቕሑ! እውን ከምኡ ግበር፣ ግዜ እንተ ኣልዩ ድማ ካብ ሓዲኡ መጽሔት ካልእ ዓንቀጽ ወስኽ። ነፍሲ ወከፍ መጽሔት ብኸመይ ክትብርከት ከም እትኽእል ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።
10 ደቒቕ፦ “መዘኻኸሪታት ኣኼባ ኣውራጃ 2013።” ኣብ ናይ ሚያዝያ 2013 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ።
10 ደቒቕ፦ እንታይ ንመሃር፧ ምይይጥ። ሉቃስ 5:27-32 ትነበብ። እቲ ጸብጻብ ብኸመይ ኣብ ኣገልግሎትና ኺሕግዘና ኸም ዚኽእል ግለጽ።
መዝሙር 13ን ጸሎትን