መደብ 10 ሰነ እትጅምር ሰሙን
10 ሰነ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 37ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
bt ምዕ. 22 ¶1-6 (30 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ግብሪ ሃዋርያት 1-4 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ግብሪ ሃዋርያት 1:15–2:4 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ጥምቀት፡ ሓደ ክርስትያን ኬማልኦ ዘለዎ ብቕዓት—td 41ሀ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ኣተሓሳስባ ሓያሎ ሰባት፡ ምስ መርዛም ኣየር ኪመሳሰል ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧—ኤፌ. 2:1, 2 (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
10 ደቒቕ፦ ንሰማዕቲ ምጥማት ዘለዎ ኣገዳስነት። ኣብ መጽሓፍ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት፡ ኣብ ገጽ 124፡ ሕጡብ ጽሑፍ 1፡ ክሳዕ ገጽ 125፡ ሕጡብ ጽሑፍ 4 ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረ። ሓደ ኣስፋሒ፡ ኬገልግል ከሎ ነቲ ዚምስክረሉ ዘሎ ሰብ ብዙሕ ከም ዘይጥምት ዜርኢ ሓጺር መርኣያ ኣቕርብ። ድሕሪኡ፡ ነቲ መርኣያ ድገሞ፣ ኣብ ካልኣይ ክፋል እቲ መርኣያ፡ እቲ ኣስፋሒ ነቲ ብዓል ቤት ጽቡቕ ገይሩ ይጥምቶ።
10 ደቒቕ፦ እንታይ ዓሚምና፧ ብጸሓፊ ዚቐርብ ምይይጥ። ኣብ ወቕቲ በዓል ዝኽሪ እንታይ ከም እተዓምመ ብዝርዝር ግለጽ፣ ነታ ጉባኤ ኸኣ በቲ ዝገበረቶ ንጥፈታት ንኣዳ። ንሰማዕቲ፡ ወረቐት ዕድመ ድራር ጐይታ ኺዕድሉ ኸለዉ፡ ወይ ከኣ ሓገዝቲ ፈለምቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ኸለዉ ንዝረኸብዎ ተመክሮ ኺዛረቡ ዓድሞም።
10 ደቒቕ፦ “ምትዕርራይ ክትገብር ፍቓደኛ ዲኻ፧” ሕቶታትን መልስታትን።
መዝሙር 14ን ጸሎትን