ጕሉሕ ነጥብታት ኣገልግሎት ወፍሪ
ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ እቲ ፍሉይ ወፈራና፡ ብፍላይ ኣብ ሃገርና ኣብ ዘለዋ ጉባኤታት ዚርከቡ ኣስፋሕቲ ብዝገበርዎ ተሳትፎ እዩ ጀሚሩ። ኣብዛ ቐዳመይቲ ወርሒ እቲ ወፈራ፡ 133 ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ 72 ቦታታት ኬገልግሉ ተመዲቦም እዮም። ናይ ለካቲትን መጋቢትን ጸብጻብ ምስ ተቐበልና፡ ዝያዳ ኣስፋሕቲ ንኺምደቡ ትጽቢት ክንገብር ንኽእል ኢና። ስለዚ፡ ኣባጊዕ መሰል ዝዀኑ ሓያሎ ሰባት ተረኺቦም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺምርሓሎም ተስፋ ንገብር።