መደብ 27 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
27 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 17ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
bt ምዕ. 8 ¶17-24፡ ኣብ ገጽ 67 ዘላ ሳጹን (25 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ህዝቅኤል 35-38 (10 ደቒቕ)
ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት (20 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
10 ደቒቕ፦ ምልክታታት። “ነቲ ኣብ መንጎ ሰሙን ዚግበር ኣኼባታት ዚምልከት ምትዕርራይ።” መደረ። ድሕሪ እቲ መደረ፡ ንናይ ቀረባ እዋን መጽሔታት እተዳለወ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት ተጠቒምካ፡ ኣብ መስከረም፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እተጀምር ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።
15 ደቒቕ፦ ብዚርዳእ መገዲ መስክር። ኣብ መጽሓፍ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት፡ ኣብ ገጽ 226-229 ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ። ንሓደ ወይ ንኽልተ ነጥብታት ብመርኣያ ኣቕርቦ።
10 ደቒቕ፦ እንታይ ንመሃር፧ ምይይጥ። ሉቃስ 10:1-4, 17 ኣንብብ። እዚ ጸብጻብ እዚ፡ ኣብ ኣገልግሎትና ብኸመይ ኪሕግዘና ኸም ዚኽእል ግለጽ።
መዝሙር 22ን ጸሎትን