መደብ 13 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
13 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 18ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
bt ምዕ. 8 ¶1-7፡ ኣብ ገጽ 61-62 ዘሎ ሳጹናት (25 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ህዝቅኤል 28-31 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ህዝቅኤል 28:17-26 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ነቲ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ዚገልጽ ሓቂ ኻብ ጽውጽዋይ ምፍላዩ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ዝኽሪ ድራር ጐይታ—td 24ሀ (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት።
10 ደቒቕ፦ ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር ዜኽእል መሰረት ኣንብር። ኣብዚ ዚስዕብ ሕቶታት ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ፦ (1) ኣብ ናይ ፈለማ ምይይጥና፡ ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር ዜኽእል መሰረት ምንባርና ጠቓሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ብኸመይከ ኸምኡ ኽንገብር ንኽእል፧ (2) ኣብ ዚቕጽል ምብጻሕና እንምልሳ ንተገዳስነት እቲ ብዓል ቤት እተለዓዕል ሕቶ ኽንመርጽ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (3) ውሱን ቈጸራ ኽንገብር፡ ዚከኣል እንተ ዀይኑ ኸኣ ቍጽሪ ተሌፎን ወይ ኣድራሻ ኢ-መይል እቲ ብዓል ቤት ክንወስድ ጽቡቕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (4) ውዓል ሕደር ከይበልና፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት ክንምለስ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (5) ነቲ ናይ ፈለማ ምይይጥና ምስ ዛዘምናዮ፡ እንታይ ሓበሬታ ኢና ኽንጽሕፍ ዘሎና፧
10 ደቒቕ፦ ንሓደ ወይ ንኽልተ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ቓለ መጠይቕ ግበረሎም። ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኺጅምሩ ዘተባብዖም እንታይ እዩ፧ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኸይቅጽሉ ኺዓናቕፎም ዚኽእል እንታይ ብድሆታት ኣጋጢምዎም፧ ንኺሰግርዎ ዝሓገዞምከ እንታይ እዩ፧ እንታይ በረኸት ረኺቦም፧ ንኣስፋሕቲ፡ ኣብ ዚቕጽል ዓመት ኣገልግሎት ስሩዓት ፈለምቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ይኽእሉ እንተ ዀይኖም ኪሓስቡሉ ኣተባብዓዮም።
10 ደቒቕ፦ “ንሕልናኹም ሓልውዎ።” ሕቶታትን መልስታትን። መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ ዚግበረሉ ዕለት ይፍለጥ እንተ ዀይኑ፡ ንገር።
መዝሙር 32ን ጸሎትን