ጕሉሕ ነጥብታት ኣገልግሎት ወፍሪ
እታ መዛዘሚት እቲ ፍሉይ ወፍሪ ኽልና ዝዀነት ወርሒ መጋቢት፡ ኣብ ታሪኽና ዝለዓለ ኣሃዝ እተራእየላ ወርሒ እያ ነይራ። ኣብዛ ወርሒ እዚኣ፡ ኣብ ሽዱሽተ መዳያት ኣገልግሎትና ሓድሽ ዝለዓለ ቝጽሪ ነይሩ። ሓገዝቲ ፈለምቲ ዀይኖም ዘገልገሉ 3,390 ኪዀኑ ኸለዉ፡ ስሩዓት ፈለምቲ ኸኣ 1,654 ነይሮም። ቍጽሪ ስሩዓት ፈለምቲ እውን ሓድሽ ዝለዓለ ቝጽሪ እዩ። ብጠቕላላ 57 ሚእታዊት ዝዀኑ ኣስፋሕቲ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ተኻፊሎም። ቍጽሪ ጠቕላላ ኣስፋሕቲ ናብ 9,406 ደይቡ ኣሎ። ጠቕላላ ቝጽሪ ሰዓታት ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ዝነበረ ዝለዓለ ቝጽሪ፡ ብ3 ሚእታዊት ዛይዱ እዩ። ብቕንኣትኩምን ብጻዕርኹምን ክንንእደኩም ንፈቱ። ቍጽሪ እተዓደለ መጽሔት እውን ኣዝዩ ዚንኣድ እዩ። ካብቲ ኣብ ለካቲት እተዓደለ ብ11 ሚእታዊት ዚዛይድ እዩ ነይሩ። ሓያሎ ኣስፋሕቲ፡ ሰባት ኣብ መገዲ ደው ኣቢሎም መጽሔት ከም ዚሓትትዎም ገሊጾም እዮም። እዚ ምስቲ ልዕሊ 130,000 ቍጽሪ ተመላሊስካ ምብጻሕን ልዕሊ 7,800 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ተደሚሩ፡ ን“ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ” ተገዳስነት ዜርእዩ ሓያሎ ሰባት ከም ዘለዉ ይሕብር፣ ነቲ ንዅሎም ኣባጊዕ መሰል ዝዀኑ ሰባት ንኽንሕግዝ እተዋህበና ፍሉይ መሰል ንኽንዓይየሉ ድማ የዘኻኽረና።