ሓቀኛ ኽትከውን ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧
1 ሓሶት ኪብሃል ከሎ፡ “1. ብፍላይ ንምትላል ተባሂሉ ዚቐርብ ግጉይ ሓሳባት ወይ ተግባር . . . 2. ጌጋ ምርዳእ ዚህብ ወይ ንኺህብ እተሓስበ ዝዀነ ይኹን ነገር” ማለት እዩ። እቲ ዚሕሱ ሰብ ንኻልኦት ሰባት፡ ደይመደይ ኢሉ ነቲ ሓቂ ዘይኰነ ነገር ኬእምኖም እዩ ዚደሊ። ስለዚ፡ ሓሶት ብምዝራብ ወይ ድማ ነቲ ሓቂ ብምሽፍፋን ነቶም ሓቂ ኺፈልጡ ዘለዎም ሰባት ኬታልሎም ይፍትን።
2 ሰባት ዚሕስዉሉ ምኽንያታት፦ ሰባት ብእተፈላለየ ምኽንያት እዮም ዚሕስዉ። ገሊኣቶም ኣብዛ ናይ ውድድር ዓለም እዚኣ ቐዳሞት ምእንቲ ኪዀኑ ኢሎም ብዛዕባ እቲ ዘለዎም ክእለት ይሕስዉ። ገሊኣቶም ከኣ ንዝፈጸምዎ ጌጋታት ወይ በደል ኪሸፋፍኑ ይፍትኑ። ካልኦት ድማ ዘይዓየይዎ ዕዮ ኸም ዝዓየይዎ ኣምሲሎም ንምቕራብ ይሕስዉ። ብዘይካዚ፡ ንኻልእ ሰብ ምእንቲ ኼጸልሙ፡ ምእንቲ ኸይዋረዱ፡ ነቲ ኣቐዲሞም ዝሓሰውዎ ሓሶት ምእንቲ ኺሸፋፍኑ፡ ወይ ከኣ ንሰባት ኣታሊሎም ገንዘቦም ምእንቲ ኺወስዱሎም ኢሎም ዚሕስዉ እውን ኣለዉ።
3 ይኹን እምበር፡ ገሊኣቶም ልማደኛታት እኳ እንተ ዘይኰኑ፡ ምእንቲ ኸይቃልዑ፡ ከይቅጽዑ፡ ወይ ብኻልእ ምኽንያት ፈሪሆም ይሕስዉ ይዀኑ። ሓሶት ብሰንኪ ዘይፍጽምናና ዚንጸባረቕ ድኽመት እዩ። እዚ ዝንባለ እዚ በቲ ሓቂ ንምዝራብ ዘሎና ቘራጽነት ኪትካእ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
4 ሓቀኛ ኽትከውን ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ ሓቂ፡ እቲ ዓብዪ ፈጣሪና ዝሰርዓልና ስርዓት እዩ። ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ እብራውያን 6:18፡ ‘ኣምላኽ ኪሕሱ ኸም ዘይክእል’ ይገልጽ። እቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ዝወከሎ ወዱ የሱስ ክርስቶስ እውን ነዚ ስርዓት እዚ ይስዕቦ ነይሩ እዩ። የሱስ፡ ነቶም ኪቐትልዎ ዚደልዩ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት፡ “ሕጂ ግና ንኣይ፡ ካብ ኣምላኽ ዝሰማዕክዎ ሓቂ ንዝነገርኩኹም ሰብኣይ፡ ክትቀትሉኒ ትደልዩ አሎኹም . . . ኣይፈልጦን እንተ ዝብል ከኣ፡ ከማኻትኩም ሓሳዊ ምዀንኩ ነይረ” በሎም። (ዮሃ. 8:40, 55) “ንሱ ሓጢኣት ዘይገበረ፡ ተንኰልውን ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበ” ብምዃኑ፡ ኣርኣያ ሓዲጉልና እዩ።—1 ጴጥ. 2:21, 22።
5 ከምቲ ምሳሌ 6:16-19 ኣነጺራ እትገልጾ፡ እቲ የሆዋ ዝስሙ ፈጣሪና፡ ሓሶት ይጸልእ እዩ። እዚ ሓቀኛ ኣምላኽ እዚ ስምረቱ ምእንቲ ኽንረክብ ብስርዓታቱ ኽንመላለስ ይደልየና እዩ። እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓሉ፡ “ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ግብሩ ቐንጢጥኩም፡ . . . ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉ” ይብለና። (ቈሎ. 3:9) እቶም እናሓሰዉ ኺነብሩ ዚደልዩ ሰባት፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት የብሎምን፣ ነቲ ውህበት ኣምላኽ ዝዀነ ህይወት ኣይኪረኽብዎን እዮም። መዝሙር 5:6፡ ኣምላኽ፡ ‘ነቶም ሓሶት ዚዛረቡ ኸም ዜጥፍኦም’ ኣግሂዳ ትገልጽ። ራእይ 21:8 እውን “ብዘለዉ ሓሰውቲ” ግዴኦም “ካልኣይ ሞት፡” ማለት ዘለኣለማዊ ጥፍኣት ምዃኑ ትገልጽ። ስለዚ፡ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ሓሶት ዘለዎ ኣረኣእያ ምቕባልና፡ ሓቂ ንኽንዛረብ ሓያል ምኽንያት እዩ ዚዀነና።
(ካብ w92-E 15/12 ገጽ 22, 23 እተወስደ)