ብጥበብ መክት
1. ቀዳማይ ቈረንቶስ 9:26 ኣብ ኣገልግሎት እትውዕል ብኸመይ እያ፧
1 ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ኣነ እጐዪ አሎኹ፡ ግናኸ ከምቲ ንዘይፍሉጥ ዚጐዪ ኣይኰንኩን፡ እምክት አሎኹ፡ ከምቲ ንንፋስ ዚወቅዕ ግና አይኰንኩን” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረ. 9:26) ከምዚ ኺብል ከሎ፡ ኣብ መንፈሳዊ ሸቶታት የተኵር ከም ዝነበረ እዩ ዚሕብር ነይሩ። ይኹን እምበር፡ እዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ ኣገልግሎት እውን ኪውዕላ ይኽእላ እየን። ጽቡቕ ውጽኢት ምእንቲ ኽንረክብ፡ ብጥበብ ክንምክት ወይ ክንጽዕር ኣሎና። ነዚ ግና ብኸመይ ኢና ኽንገብሮ እንኽእል፧
2. ብዛዕባ እቲ እንሰብከሉ እዋንን ቦታን ክንመርጽ ከለና፡ ንጳውሎስን ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኻልኦት ወንጌላውያንን ብኸመይ ኢና ኽንመስሎም እንኽእል፧
2 ኣብቲ ሰባት ዚርከቡሉ ቦታታት ኪድ፦ ጳውሎስን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኻልኦት ወንጌላውያንን ኣብቲ ሰባት ዚርከቡሉ ቦታታት እናኸዱ እዮም ዚሰብኩ ነይሮም። (ግብ. 5:42፣ 16:13፣ 17:17) ስለዚ እምበኣር፡ መብዛሕትኦም ኣብ ክልና ዘለዉ ሰባት ኣብ ቤቶም ኣጋ ምሸት ዚርከቡ እንተ ዀይኖም፡ ኣብቲ እዋን እቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት እንተ ኸድና ዝሓሸ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንግሆ ወይ ኣጋ ምሸት ሰባት ናብ ስራሕ ኪኸዱ ኸለዉ ወይ ናብ ገዛኦም ኪምለሱ ኸለዉ፡ ኣብ መጸበዪ ኣውቶቡስ ብብዝሒ ይርከቡ ድዮም፧ ኣብ ክልና ዘሎ ቦታ ዕዳጋ ብሰባት ዚመልእ መዓስ እዩ፧ ምስክርነት መገዲ ኣብቲ እዋናት እቲ ዝያዳ ውጽኢታዊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ መገዲ ኽንምስክር ከለና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንሰባት በብሓደ ዄንና እንተ ኣዘራረብናዮም ዝሓሸ እዩ። ናብ ኣገልግሎት ሰለስተ ዄንካ ምኻድ ብዙሕ ኣይጠቅምን እዩ። ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ ብሕታዊ ጕዳያትና ብምዕላል ኣብ ክንዲ እንተዓናቐፍ፡ ንሰባት ኣብ ምዝርራብ ከነተኵር ይግባእ።
3. ኣብ ክልና ኽንዓዪ ኸለና፡ ብጥበብ ክንምክት እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
3 ንኽልኻ ብጥበብ ዕየዮ፦ ኣብ ክልና ኽንዓዪ ኸለና እውን እንተ ዀነ፡ ብጥበብ ክንምክት ኣሎና። ንኣብነት፡ ናብ ሓደ ኸባቢ ኽንከይድ ከለና ብብዝሒ ተኣኪብና ምስ እንኸይድ፡ ንምውዳቡ ስለ ዜሸግር፡ ነቲ ጕጅለ ምምቃሉ ዝሓሸ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ኣብ ገጠር ኣብ ዚርከብ ክሊ ኽንሰብኽ ከለና፡ ጕጅለና ሒደት እንተ ዀይኑ፡ ንኽልና ብቕልጡፍ ክንሽፍኖ፡ ንኽንዛረብ ከኣ ዝያዳ ኣጋጣሚ ኺህልወና እዩ። ንመገዲ ዚጠፍእ ግዜ ምእንቲ ኽንንኪ፡ ኣብ ጥቓ ቤትና ዚርከብ ክሊ ኽንሕዝ ምኸኣልናዶ፧
4. ዕዉታት “ገፈፍቲ ሰብ” ንኽንከውን ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧
4 የሱስ ንወንጌላውያን ምስ “ገፈፍቲ ሰብ” ኣመሳሲልዎም ኣሎ። (ማር. 1:16-18) ዕላማ ሓደ ገፋፍ ዓሳ፡ ዓሳ ምግፋፍ ደኣ እምበር፡ መረብ ምድራባይ ኣይኰነን። ስለዚ ድማ፡ ገፈፍቲ ዓሳ፡ ኣብቲ ዓሳ ዚርከቡሉ ቦታታትን እዋንን ብምኻድ፡ ከይተደናጐዩ እዮም ኪገፉ ዚጅምሩ። እወ፡ ብጥበብ እዮም ዚምክቱ። ንሕና እውን ኣብ ኣገልግሎትና ኸምዚ ዝኣመሰለ ትግሃት ነርኢ።—እብ. 6:11።