መደብ 12 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
12 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 43ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
cf ምዕ. 14 ሕ.ጽ. 17-21፡ ገጽ 149 ሳጹን (25 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ኢሳይያስ 6-10 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ኢሳይያስ 6:1-13 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ በቲ ጭቡጥ ኵነታት ይፍለጥ—td 11ለ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ፍቕሪ ኸቶ ዘይተቋርጸሉ ምኽንያት—1 ቈረ. 13:8፣ 1 ዮሃ. 4:8 (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት።
15 ደቒቕ፦ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት 2012። በቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ ዚቐርብ መደረ። ካብ መደብ 2012፡ ነታ ጉባኤ ዜድሊ ነጥብታት ኣጕልሕ። ግደ እቲ ሓጋዚ መኻሪ ግለጽ። ኣብቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጐልሕ ነጥብታት ሓሳባት ብምሃብን ካብ መጽሓፍ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ሰሙናዊ ዚወሃብ ምኽርታት ኣብ ግብሪ ብምውዓልን፡ ኵላቶም መዝነቶም ኣብ ምፍጻም ትጉሃት ኪዀኑ ኣተባብዓዮም።
15 ደቒቕ፦ “ኣይነብኵርን።” ሕቶታትን መልስታትን። ንሕጡብ ጽሑፍ 2 ኽትመያየጡላ ኸለኹም፡ ንሓደ ኣብ ናይ ዘይወግዓዊ ምስክርነት ውጽኢታዊ ዝዀነ ኣስፋሒ፡ ኣሕጽር ኣቢልካ ቓለ መጠይቕ ግበረሉ። ኣቐዲሙ ብኸመይ ከም ዚዳሎ፡ ሃናጺ ዝዀነ ተመክሮ ኼዘንቱ ዓድሞ።
መዝሙር 24ን ጸሎትን