ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 12/11 ገጽ 1
  • ኣይነብኵርን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣይነብኵርን
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ ቤት ናብ ቤት ምምስካር
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • “ግብሪ ወንጌላዊ ግበር”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ካብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ኣገልግሎት: ሕጂ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ነቲ ብስራት ኣብ ኵሉ ቦታ ስበኽዎ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
km 12/11 ገጽ 1

ኣይነብኵርን

1. እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ወንጌላውያን፡ ካብ ኣገልግሎቶም ኣብኲሮም ዘይፈልጡ ስለምንታይ እዮም፧

1 እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ቐናኣት ወንጌላውያን፡ ኣብቲ ሰባት ዚርከቡሉ ቦታታት እናኸዱ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ‘ከየብኰሩ’ ይሰብኩ ነበሩ። (ግብ. 5:42) ስለዚ፡ ካብ ቤት ናብ ቤት ኪኸዱ ኸለዉ፡ ነቶም ኣብ መገዶም ዚረኽብዎም ዝነበሩ ሰባት ከይሰበዅሎም ኪሓልፉ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። ኣገልግሎት ወፍሪ ወዲኦም ናብ ዕዳጋ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ነቲ ብዘይወግዓዊ መገዲ ምስክርነት ንምሃብ ዚረኽብዎ ዝነበሩ ኣጋጣሚ እውን እንተ ዀነ ዕሽሽ ኢሎም ኣይሓልፍዎን እዮም ነይሮም። ንሳቶም እውን ከም የሱስ፡ ካብ ኣገልግሎቶም ኣብኲሮም ኣይፈልጡን እዮም።—ማር. 6:31-34።

2. ከም ስምና ምንባር ኪበሃል ከሎ እንታይ የጠቓልል፧

2 ወትሩ ድሉዋት ንኹን፦ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚብል ስምና፡ ንዕዮና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንመንነትና እውን ዚገልጽ እዩ። (ኢሳ. 43:10-12) ስለዚ እምብኣር፡ ካብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዘይንኸደሉ እዋናት እውን ከይተረፈ፡ ብዛዕባ ተስፋና ምላሽ ንምሃብ ወትሩ ድሉዋት ኢና። (1 ጴጥ. 3:15) ብዘይወግዓዊ መገዲ ምስክርነት ንምሃብ ዜኽእለካ ኣጋጣሚታት ትጽበ ዲኻ፧ እንታይ ከም እትብልከ ትሓስብ ዲኻ፧ ነቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት እተበርክተሎም ጽሑፋት ትሕዝ ዲኻ፧ (ምሳ. 21:5) ካብ ቤት ናብ ቤት ጥራይ ዲኻ እትሰብኽ ወይስ ኵነታት እንተ ፈቒዱ ኣብ ካልእ ቦታታት እውን ንሰባት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ተብጽሓሎም ኢኻ፧

3. ኣብ መገዲ፡ ኣብ መቖም ማካይን፡ ኣብ መናፈሻታት፡ ኣብ ዕዳጋ ዀነ ኣብ ካልእ ቦታታት ዚግብር ስብከት ኣቕሊልካ ኺርአ ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

3 “ህዝባዊ” ምስክርነት፦ ኣብ መገዲ፡ ኣብ መቖም ማካይን፡ ኣብ መናፈሻታት፡ ኣብ ዕዳጋ ዀነ ኣብ ካልእ ቦታታት ንሰብኽ ኢና። ኣብዚ ቦታታት እዚ እንህቦ ምስክርነት ዘይተለምደ፡ ዘይንቡር፡ ወይ ከኣ ኣማራጺ ድዩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ “ዋዕላ” ዀነ ኣብ ቤት ከም ዝሰበኸ ገሊጹ ኣሎ። (ግብ. 20:20) እቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት እናኸድና እንገብሮ ኣገልግሎት፡ ንሰባት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኸነብጽሓሎም እንጥቀመሉ ቐንድን ኣስላጥን መገዲ እዩ። ይኹን እምበር፡ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ወንጌላውያን ኣብ ኣባይቲ ዘይኰነስ፡ ኣብ ሰባት እዮም ዜተኵሩ ነይሮም። ካብ ቤት ናብ ቤትን ብምኻድን ኣብ ህዝባዊ ቦታታትን ብወግዓውን ብዘይወግዓውን መገዲ ብዛዕባ ሓቂ ንምምስካር ዝረኸብዎ ዘበለ ኣጋጣሚ ይጥቀሙ ነይሮም እዮም። ንሕና እውን ኣገልግሎትና መሊእና ምእንቲ ኽንፍጽም፡ ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኺህልወና ኣለዎ።—2 ጢሞ. 4:5።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ