መደብ 5 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
5 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 29ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
cf ምዕ. 14 ሕ.ጽ. 10-16 (25 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ኢሳይያስ 1-5 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ኢሳይያስ 3:16–4:6 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ነቲ ናይ ህጹጽነት መንፈስና ኽንዕቅቦ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ምምላስ ክርስቶስ ብዓይኒ ኣይርኤን እዩ—td 11ሀ (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት።
10 ደቒቕ፦ ሓደ ሰብ፡ ልደት ዘይተብዕለሉ ምኽንያት ምስ ዚሓተካ። ኣብ መጽሓፍ ሪዝኒንግ፡ ካብ ገጽ 176 ክሳዕ ገጽ 179፡ ሕጡብ ጽሑፍ 2 ኣብ ዘሎ ሓሳባት ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ። ሓጺር መርኣያ ኣቕርብ።
10 ደቒቕ፦ ነታ ጉባኤ ዜድሊ።
10 ደቒቕ፦ ንኣገልግሎት ተዳሎ። ኣብዚ ዚስዕብ ሕቶታት ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ። (1) ነዚ ዚስዕብ ብኸመይ ትዳለወሉ፧ (ሀ) ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸድካ ዚወሃብ ምስክርነት (ለ) ተመላሊስካ ምብጻሕ (ሐ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት (2) ንዅሉ እንመርሖ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንዳለወሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (3) እቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትመርሓሉ ሰብ፡ ነቲ ትምህርቲ ንኺዳለወሉ ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል፧ (4) ምድላው ንኣገልግሎት ብዝያዳ ንኽትሕጐሰሉ ብኸመይ ይሕግዘካ፧ (5) ንኣገልግሎት ክንዳሎ ኸለና የሆዋ ስለምንታይ እዩ ዚሕጐስ፧
መዝሙር 10ን ጸሎትን