መደብ 2 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
2 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 30ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
cf ምዕ. 4 ሕ.ጽ. 1-10 (25 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ እዮብ 38-42 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ እዮብ 40:1-24 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ዓቃልን ዕጉስን ምዃን ዘለዎ ጥቕሚ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ሓደ ሰብ ሃይማኖቱ ጌጋ ምዃና እንተ ኣረጋጊጹ፡ ኪቕይር ኣለዎ—td 1ሐ (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
10 ደቒቕ፦ ምልክታታት። ናይ ቀረባ እዋን ሕታም ተጠቒምካ፡ ኣብ ግንቦት፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እተጀምር መርኣያ ኣቕርብ። ኵሎም ኣብዚ ዕዮ እዚ ኺካፈሉ ኣተባብዓዮም።
15 ደቒቕ፦ ነታ ጉባኤ ዜድሊ።
10 ደቒቕ፦ ኣብ ግንቦት መጽሔታት ንኽትዕድል ተዳሎ። ምይይጥ። ትሕዝቶ እተን መጽሔታት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወይ ክልተ ደቓይቕ ግለጽ። ድሕሪኡ፡ ክልተ ወይ ሰለስተ ዓንቀጻት መሪጽካ ነተን ዓንቀጻት ንምፍላጥ እንታይ ሕቶታትን ጥቕስታትን ኪጥቀሙ ኸም ዚኽእሉ ንሰማዕቲ ሕተቶም። ነፍሲ ወከፍ ሕታም ብኸመይ ኪብርከት ከም ዚኽእል ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።
መዝሙር 51ን ጸሎትን