ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/11 ገጽ 8
  • ምልክታታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምልክታታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
km 4/11 ገጽ 8

ምልክታታት

◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ ሚያዝያን ግንቦትን፦ መጽሔታት፣ ኣብ ሰነ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧፣ ሓምለ፦ ብሮሹራት። ካብዚ ዚስዕብ ብሮሹራት ዝዀነ ይኹን ምዕዳል ይከኣል እዩ፦ ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ፣ ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧፣ ንዘልአለም አብ ምድሪ ብምንባር ተሐጎሱ!፣ ንቑሕ ኩን!፣ ኣብ ስላሴ ክትኣምን ይግብኣካዶ ኢዩ፧፣ እቲ ንዘለኣለም ጸኒዑ ዝነብር መለኮታዊ ስም፣ መገዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ረኺብካያዶ፧፣ ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧፣ ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ—ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል፧፣ እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት።

◼ ቅድሚ እቲ ኣኼባ ኣውራጃ እትገብሩሉ ሰሙን ኣብ ዘሎ እዋን፡ ብዛዕባ መዘኻኸሪታት ኣኼባ ኣውራጃ ንምምይያጥ መደብ እቲ ጉባኤ ኺተዓራረ ይኽእል እዩ። ድሕሪ ኣኼባ ኣውራጃ ሓደ ወይ ክልተ ወርሒ ጸኒሑ፡ ነታ ጉባኤ ዜድሊ ኣብ ዚብል ክፍሊ ብዛዕባ እቲ ኣስፋሕቲ ኣብ ኣገልግሎት ኪጠቕሞም ዚኽእል ነጥብታት ክትመያየጡ ትኽእሉ ኢኹም።

◼ ኵለን ጉባኤታት ካብ ወርሒ ግንቦት ጀሚረን፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም ነፍሲ ወከፍ ወርሒ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጅማር ኬተኵራ ኣለወን። እታ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ብተኸታታሊ እትወጽእ “ካብ ቃል ኣምላኽ ተምሃር” ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ ኣስፋሕቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኼጀምሩላ ተባሂላ እያ ተዳልያ። ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ ነፍሲ ወከፍ ሕታም ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና፡ ኣብ እትቕጽል ወርሒ ኺዕየየሉ ዚኽእል ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታትን ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም ብኸመይ መጽናዕቲ ኸም እተጀምር ዚሕብር ሓሳባትን ኪወጽእ እዩ።

◼ ኵለን ጉባኤታት ከም S-4፡ S-8፡ S-43 ዝኣመሰለ ኣስፋሕቲ ንኣገልግሎቶም ዜድልዮም ፎርም ኪረኽቡሉ ዚኽእሉ ብሉሕ እተሰርሐ መቐመጢ ዘይብለን እንተ ዀይኑ፡ ካብ ብሕጂ ኼዳልዋ ነተባብዐን።

◼ ኣብ መኽዘን ዝመጸ ሓድሽ፦ እንግሊዝኛ፦ ሪል ፈይዝ—ዮር ኪ ቱ ኤ ሃፒ ላይፍ (ንኣስላም እተዳለወት ብሮሹር)።

◼ እንደገና ኣብ መኽዘን ዝመጸ፦ ሲዳምኛ፦ ብምንባር ተሐጎሱ፣ ትግርኛ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር፣ ዕላማ ህይወት፣ ኣምሓርኛ፦ ምስ ሞትና፣ ንቑሕ ኩን!፣ እንግሊዝኛ፦ ዓብዪ መምህር፣ ጂሆቫስ ደይ፣ መገዲ ህይወት፣ ትርጕም ሓዳስ ዓለም (ዴሉክስ)፣ ብዲቪዲ፦ ፈይዝ ኢን ኣክሽን 1፣ ሪስፐክት ኣውቶሪቲ፣ ሼር ጉድ ኒውስ፣ ዘ ባይብል፣ ዎርኒን ኤግዛምፕልስ፣ ሆል ኣሶሴሽን፣ ዎንደርስ ኦቭ ክሪኤሽን፣ ኦሮምኛ፦ ብምንባር ተሐጎሱ፣ ንኣምላኽ ኣምልኽ፣ ወላይትኛ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር፣ መናፍስቲ ምዉታት።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ