ምልክታታት
◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ ለካቲት፦ መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት፣ መጋቢት፦ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧፣ ሚያዝያ፦ መጽሔታት፣ ሰነ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
◼ ናይ 2011 በዓል ዝኽሪ ኣብ ዚግበረሉ ወቕቲ ዚወሃብ ፍሉይ ህዝባዊ መደረ፡ “ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብዚ ግዜና ንዜጋጥመና ጸገማት ንኽንዋጽኣሉ ኺሕግዘና ይኽእል ድዩ፧” ዚብል እዩ።
◼ ኣብታ ዝኽሪ ሞት የሱስ ዝበዓለላ መዓልቲ፡ ማለት ሰንበት ሚያዝያ 17፡ ብጀካ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ፡ ካልእ ኣኼባታት ኣይኪግበርን እዩ። ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ኣኼባ ዘለወን ጉባኤታት፡ ነቲ ኣኼባ ኣብ ውሽጢ እታ ሰሙን ናብ ካልእ መዓልቲ ኪቕይራኦ ይኽእላ እየን። ብርክት ዝበላ ጉባኤታት ሓደ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚጥቀማ እንተ ዀይነን እሞ ነቲ ኣኼባ ምቕያሩ ዘይከኣል እንተ ዀይኑ፡ እቲ ኣኼባ ኺስረዝ ይከኣል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ስድራ ቤታት ንመጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኣብታ ኣምልኾ ስድራ ቤት ዚገብራላ ምሸት ኪወስዳኦ ይተባብዓ።