መደብ 7 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
7 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 28ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
cf ምዕ. 1 ሕ.ጽ. 8-15 (25 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ኣስቴር 6-10 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ኣስቴር 7:1-10 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ኣምላኽ ዚሰምዖ ጸሎት—td 42ሀ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ የሱስ ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን ዝዀነሉ ምኽንያት—እብ. 12:2 (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት።
10 ደቒቕ፦ ብዜእምን መገዲ ምሃር። ኣብ መጽሓፍ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት፡ ኣብ ገጽ 255-257 ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረ። ሓደ ወይ ክልተ ነጥብታት ኣሕጽር ኣቢልካ ብመርኣያ ኣቕርብ።
10 ደቒቕ፦ ንትራክትታት ብግቡእ ተጠቐመሉ። ምይይጥ። ገለ ኻብቲ ኣብ ጉባኤኹም ዘሎ ትራክት ጥቐስ። መዓስ ክትጥቀመሉ ኸም እትኽእልን ስለምንታይ ንሰባት ኪማርኽ ከም ዚኽእልን ተመያየጠሉ። ሰማዕቲ ንትራክትታት ብኸመይ ብግቡእ ከም እተጠቕሙሉ ሓሳብ ኪህቡ ዓድሞም። ሓደ ወይ ክልተ መርኣያታት ኣቕርብ።
10 ደቒቕ፦ ነታ ጉባኤ ዜድሊ።
መዝሙር 35ን ጸሎትን