ቀናኣት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኪጽልዩን ኬስተንትኑን ኣለዎም
1. ንየሱስ ካብቲ ቐዳምነት ዚህቦ ዝነበረ ዕዮ ንኸየስግል ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧
1 ሓደ እዋን፡ የሱስ ንሕሙማት ኬሕውን ንኣጋንንቲ ኼውጽእን ኣምሰየ። ንጽብሒቱ ደቀ መዛሙርቱ ምስ ረኸብዎ፡ “ኵሎም እምበር ይደልዩኻ አለዉ” በልዎ፡ ተኣምራት ምፍጻም ኪቕጽል ድማ ተማሕጸንዎ። የሱስ ግን ካብቲ ቐዳምነት ዚህቦ ዝነበረ ዕዮ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣየስገለን። ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ምእንትዚ እየ ወጺኤ ዘለኹ እሞ፡ ኣብ ካልእ ኣብዚ ቐረባ ዓድታትውን ኣብኡ ኽሰብኽ፡ ንዑናይ ንኺድ” ኢሉ መለሰሎም። ኣትኵሮኡ ብኻልእ ንኸይስረቕ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ ኣንጊሁ ተንሲኡ ይጽልን የስተንትንን ምንባሩ እዩ ሓጊዝዎ። (ማር. 1:32-39) ንዓናኸ ብጸሎት ምስትንታን ቀናኣት ሰበኽቲ ንኽንከውን ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧
2. ንኣገልግሎት ዘሎና ቕንኢ ምእንቲ ኽንዕቅብ ብዛዕባ እንታይ ከነስተንትን ንኽእል፧
2 ብዛዕባ እንታይ ከነስተንትን ንኽእል፧ ሰባት፡ “ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ፡ ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን” ከም ዝነበሩ የሱስ ተገንዚቡ ነበረ። (ማቴ. 9:36) ንሕና እውን፡ ሰባት እቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ከም ዜድልዮም ክንሓስብ ንኽእል ኢና። ብዛዕባ ህጹጽነት እዚ ግዜና ኸነስተንትን ንኽእል ኢና። (1 ቈረ. 7:29) ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ ግብርታትን ባህርያትን የሆዋ፡ ብዛዕባ መሰኻኽር የሆዋ ናይ ምዃን ፍሉይ መሰል፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ክልና ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ዘይፈልጥዎ ኻብ ቃል ኣምላኽ እተመሃርናዮ ኽቡር መንፈሳዊ ሃብቲ ኸነስተንትን ንኽእል ኢና።—መዝ. 77:11-13፣ ኢሳ. 43:10-12፣ ማቴ. 13:52።
3. መዓስ ኢና ኸነስተንትን እንኽእል፧
3 መዓስ ከነስተንትን ንኽእል፧ ገሊኦም ከምቲ የሱስ ዝገበሮ ኣንጊሆም ብምትንሳእ የስተንትኑ እዮም። ገሊኦም ከኣ ምሸት ቅድሚ ድቃስ ምስትንታን ዝበለጸ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም። (ዘፍ. 24:63) ብስራሕ እተዋጠርና እንተ ዄንና እውን፡ ንምስትንታን ዚኸውን ግዜ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ገሊኦም ህዝባዊ መጓዓዝያ ኺጥቀሙ ኸለዉ የስተንትኑ እዮም። ገሊኦም ከኣ ኣብ ናይ ምሳሕ ዕረፍቲ ኸይተረበሹ ንኼስተንትኑ ዜኽእሎም ኣጋጣሚ ይረኽቡ እዮም። ብዘይካዚ፡ ንብዙሓት ኣሕዋት፡ ኣብ ኣገልግሎት ኪካፈሉ ኸለዉ፡ ንሒደት ሃዋህው እውን እንተ ዀነ ምስትንታን፡ ብቕንኣትን ብትብዓትን ንኺሰብኩ ሓጊዝዎም እዩ።
4. ስለምንታይ ኢና ኸነስተንትን ዘሎና፧
4 ጸሎትን ምስትንታንን፡ ንየሆዋ ንምግልጋል ዓሚቝ ባህጊ ንኺህልወና፡ ብመንፈሳዊ ዝያዳ ትኩራት ንኽንከውን፡ ብቐጻሊ ኽንሰብኽ ዝገበርናዮ ውሳነ ንኸነደልድል ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። እቲ ቐንዲ ኣገልጋሊ የሆዋ ዝዀነ የሱስ ብምስትንታኑ ተጠቒሙ እዩ፣ ንሕና እውን ክንጥቀም ንኽእል ኢና።