ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 11/10 ገጽ 4
  • ሳጹን ሕቶ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሳጹን ሕቶ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መዘኻኸሪ ንጸሓፍን ንናይ ኣገልግሎት ተዓዛብን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
  • ካብ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ዝርከብ በረኸት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ናይ ተኣማንነት ኣብነት ገዲፎም እዮም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ኣብቲ ካብ ፓይነራት ዝድለ ሰዓታት እተገብረ ለውጢ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
km 11/10 ገጽ 4

ሳጹን ሕቶ

◼ ንፈለምቲ ግብራዊ ብዝዀነ መገዲ ኽንሕግዞም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2009፡ ኣብ መላእ ዓለም ዳርጋ 800,000 ዚዀኑ ኣሓዋትን ኣሓትን፡ ስሩዓትን ፍሉያትን ፈለምቲ ዀይኖም ኣገልጊሎም እዮም። እዞም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ እዚኣቶም፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስፋሕ፡ ካብ ግዜኦምን ጕልበቶምን ጥሪቶምን እቲ በዅሪ ፍርያቶም መስዋእቲ ገይሮም እዮም። (ምሳ. 3:9) እቲ ዚገብርዎ ጻዕሪ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ንየሆዋ ባህ ዜብሎ! ኣረኣእያ የሆዋ ብምንጽብራቕ፡ ንፈለምቲ ሓጐስ ኪረኽቡን ኣብ ኣገልግሎቶም ኪጸንዑን ክንሕግዞም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ብግቡእ እተመርጸ ቓላትና፡ ፈለምቲ ዀይኖም ንኪቕጽሉ ኼተባብዖም ይኽእል እዩ። (ምሳ. 25:11) ኣብ ኣገልግሎት ምስኦም ሓቢርና ምእንቲ ኸነገልግል ሰሙናዊ መደባትና ኸነተዓራሪ ንኽእልዶ፧ ምስኦም ከነገልግል ከለና መጓዓዝያ እንተ ተጠቒምና፡ ናይ መጓዓዝያ ወጻኢታቶም ክንሽፍነሎም ሓሳብ ከነቕርብ ንኽእል ኢና። (1 ቈረ. 13:5፣ ፊል. 2:4) ብዘይካዚ፡ ተቐበልቲ ጋሻ ብምዃን፡ ሓድሓደ እዋን ድማ ምግቢ ኣዳሊና ናብ ቤትና ብምዕዳም ፍቕራዊ ደገፍ ክንገብረሎም ንኽእል ኢና።—1 ጴጥ. 4:8, 9።

የሆዋ ነቶም ንረብሓታት መንግስቱ ዜቐድሙ፡ ዜድልዮም ዘበለ ኸም ዜማልኣሎም ቅዱሳት ጽሑፋት የረጋግጸልና እዩ። (መዝ. 37:25፣ ማቴ. 6:33) ከምኡ ዚገብረሉ ሓደ መገዲ በቶም ፈቃራት ክርስትያናት ኣሕዋትና ኣቢሉ እዩ። (1 ዮሃ. 3:16-18) ፈለምቲ፡ ወጻኢታቶም ካልኦት ኪሽፍኑሎም ትጽቢት ኣይገብሩን እዮም። ኪስእኑ ኸለዉ እውን ንኻልኦት ኣይነግሩን ይዀኑ። ይኹን እምበር፡ ንቑሓትን መስተውዓልትን ምስ እንኸውን፡ ነቶም እሙናት ፈለምቲ ኽንሕግዞምን ‘ነቲ ጐደሎኦም ክንምልእን’ ንኽእል ኢና።—2 ቈረ. 8:14, 15።

እታ ፌቤን እትበሃል ኣብታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ክንክርኤስ ኣብ ዝነበረት ጉባኤ እተገልግል ዝነበረት ቀናእ ወንጌላዊት ናብ ሮሜ ምስ ተጓዕዘት፡ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ኣሕዋት፡ “ንቕዱሳን ከም ዚግባእ ጌርኩም ተቐበልዋ፡ ብትደልየኩም ዘበለ ተግባርውን ደግፍዋ” ኢሉ ኣተባብዖም። (ሮሜ 16:1, 2) ንሕና እውን ነቶም ከየብኰሩ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዚእውጁ ዘለዉ ስሩዓትን ፍሉያትን ፈለምቲ ፍቕራዊ ደገፍ ክንገብረሎም ኣጋጣሚ ተኸፊቱልና ኣሎ።—ግብ. 5:42።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ