ናይ ተኣማንነት ኣብነት ገዲፎም እዮም
1 ብ1937 ሓድሽ መዳይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት: ማለት ናይ ፍሉይ ፈላሚ ኣገልግሎት ተጀመረ። ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ክኢላታት ዝዀኑ ሰብኡትን ኣንስትን: ውድብ ኣብ ዝለኣኾም ቦታ ኸይዶም ንኼገልግሉ እተዋህቦም መዝነት ብፍታው ተቐበልዎ። ሎሚ እውን ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት: ፍሉያት ፈለምቲ ኽንስዕቦ ዚግባእ ናይ ተኣማንነት ኣብነት ይገድፉ ኣለዉ።—እብ. 6:12
2 መሪሕ ግደ ነበሮም:- ኣብ መጀመርታ: ፍሉያት ፈለምቲ ተንቀሳቓሲ ፎኖግራፍ ተጠቒሞም ካብ ቤት ናብ ቤት ብምስባኽ ነቲ ዕዮ ስብከት ግንባር ቀደም ኰይኖም መርሕዎ። ተመላሊስካ ምብጻሕ ኪገብሩ ኸለዉ ድማ: ንዚገብርዎ ምይይጥ መጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ዝዀኖም እተቐርጸ መደረታት ይጥቀሙ ነበሩ። እዚ ኣብተን ድሮ ጉባኤታት ዝነበራአን ዓበይቲ ኸተማታት እዩ ዚግበር ነይሩ። ጸኒሑ ግን: ፍሉያት ፈለምቲ ናብቲ ዝያዳ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ቦታታት ተላእኩ። ንዅሎም ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት በጽሕዎም: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ መርሑ። ከም ውጽኢት እቲ ትግሃት ዝመልኦ ጻዕሮም: ብኣማእታት ዚቝጸራ ሓደስቲ ጉባኤታት ቈማ። እቲ ደኺመ ኸይበሉ ዚፍጽምዎ ዕዮ ወንጌላውነት: እዚ ሎሚ እንርእዮ ዘሎና ውድብ ከምዚ ኢሉ ንኺዓቢ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። (ኢሳ. 60:22) ፍሉያት ፈለምቲ ነቲ ብስራት “ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር” ኣብ ምስባኽ ኣዝዩ ኣገዳሲ ግደ ኣለዎም።—ቈሎ. 1:23
3 ኪሰዓብ ዚግባእ ኣብነት:- ገሊኦም ፍሉያት ፈለምቲ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንሓያሎ ዓመታት ዓይዮም እዮም። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት: እዞም እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን እምነቶም ኣብ ትሕቲ እተፈላለየ ዅነታት ተዀሊዓ እያ። (1 ጴጥ. 1:6, 7) ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታታት ከይዶም ምእንቲ ኼገልግሉ ስጋዊ ምሾት ኪስውኡ ፍቓደኛታት እዮም። ሎሚ: ገሊኣቶም ዕድመ ብምድፋኦም ናይ ጥዕና ጸገማትን ካልእ ከቢድ ኵነታትን የሕልፉ ኣለዉ። (2 ቈረ. 4:16, 17) ገና ግን: ‘ብእርግናኦም ይፈርዩ’ ኣለዉ። (መዝ. 92:14) ኣብ የሆዋ ስለ ዚውከሉ: በረኸቱ ይረኽቡ ኣለዉ።—መዝ. 34:8፣ ምሳ. 10:22
4 ፍሉያት ፈለምቲ ልባዊ ናእዳና ይግብኦም እዩ። ኣብ ጉባኤኻ ኼገልግሉ እተመደቡ ፍሉያት ፈለምቲ እንተ ደኣ ኣልዮም: ነዚ መሰል እዚ ምስኦም ግዜ ንምሕላፍን ካብ ተመክሮኦም ጥቕሚ ንምርካብን ተጠቐመሉ። ነቲ ኸም እሙናት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን ዚዓይዎ ዕዮ ሞሳ ኣርኢ። ንጽንዓቶም ርኢኻ ተበራታዕ። የሆዋ ‘እቶም ሓቂ ዚገብሩ የሐጕስዎ’ ስለ ዚዀኑ: ኵሎም እቶም ንእምነት እዞም ፍሉያት ፈለምቲ እዚኣቶም ዚስዕቡ: ስምረትን በረኸትን የሆዋ ኺረኽቡ ይኽእሉ እዮም።—ምሳ. 12:22