ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት፡ ኣብታ 30 ነሓሰ 2010 እትጅምር ሰሙን፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ። እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ ኣብቲ ኻብ 5 ሓምለ ኽሳዕ 30 ነሓሰ 2010 እተሸፈነ ትምህርትታት ተመርኲሱ 20 ደቒቕ ዚወስድ ድግማ ይመርሕ።
1. ብዛዕባ እቲ ሰሎሞን ኣብ ስነ-ስርዓት ምረቓ ዘቕረቦ ጸሎት ከነስተንትን ከለና፡ ንባህርያት የሆዋ ዘሎና ሞሳ ዚዓምቝ ብኸመይ እዩ፧ (1 ነገ. 8:22-53) [5 ሓም.፡ w05 1/7 ገጽ 30 ሕ.ጽ. 3፣ it-2-E ገጽ 989 ሕ.ጽ. 4]
2. ዳዊት ብዙሕ ጌጋታት ፈጺሙ ኽነሱ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ “ብንጽህና ልቢ” ተመላሊሱ ኺበሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧ (1 ነገ. 9:4) [12 ሓም.፡ w97 1/5 ገጽ 5 ሕ.ጽ. 2-3]
3. ንግስቲ ሳባ ንሰሎሞን ብዚምልከት፡ “እዞም ወርትግ ኣብ ቅድሜኻ ደው ኢሎም ጥበብካ ዚሰምዑ ገላዉኻ ብጹኣን እዮም” ዝበለት ስለምንታይ እያ፧ (1 ነገ. 10:4-8) [12 ሓም.፡ w99 1/11 ገጽ 20 ሕ.ጽ. 6-7]
4. ኣቢያ ንቡር ቀብሪ ንኺግበረሉ የሆዋ ምእዛዙ እንታይ ኢልና ኸም እንድምድም እዩ ዚገብረና፧ (1 ነገ. 14:13) [19 ሓም.፡ cl ገጽ 244 ሕ.ጽ. 11]
5. እቲ ኤልያስ ንፈለማ እዋን ናብ ኣከኣብ ዝገበሮ ምብጻሕ እንታይ ኣገዳስነት እዩ ነይርዎ፧ (1 ነገ. 17:1) [26 ሓም.፡ w08 1/4 ገጽ 19 ሳጹን]
6. ኤልያስ “ናብ ክልቲኡ ወገን እትሕንክሱ” ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ (1 ነገ. 18:21) [2 ነሓ.፡ w08 1/1 ገጽ 19 ሕ.ጽ 3-4]
7. ከምቲ ኣብ ኤልያስ እተራእየ፡ የሆዋ ምስ ኣገልገልቱ ኣብ ዚገብሮ ርክብ ንሓይሉ ንምንታይ ዕላማ እዩ ዚጥቀመሉ፧ (1 ነገ. 19:1-12) [2 ነሓ.፡ cl ገጽ 42-43 ሕ.ጽ. 15-16]
8. ናቦት ኣታኽልቲ ወይኑ ንኣከኣብ ምሻጥ ዝኣበየ ስለምንታይ እዩ፧ ካብዚኸ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ (1 ነገ. 21:3) [9 ነሓ.፡ w97 1/8 ገጽ 13 ሕ.ጽ. 18-20]
9. እታ ኣብ ሹኔም እትነብር ዝነበረት ሰበይቲ፡ ንኤልሳእ “ሓልዮት” ዘርኣየቶ ብኸመይ እያ፧ (2 ነገ. 4:13) [16 ነሓ.፡ w97 1/10 ገጽ 30 ሕ.ጽ 6-8]
10. ኤልሳእ ነቲ ንእማን ዘምጽኣሉ ገጽ በረኸት ዘይተቐበሎ ስለምንታይ እዩ፧ (2 ነገ. 5:15, 16) [23 ነሓ.፡ w05 1/8 ገጽ 9 ሕ.ጽ 3]