ንክርስትያን ኣገልገልቲ እተገብረ መሰናድዎ
1 ብ1938 ውድብ የሆዋ ሓድሽ መሰናድዎ ገበረ። ጕጅለ ጉባኤታት ኣብ ኣኼባ ወረዳ ኺካፈላ ጻውዒት ቀረበለን። ዕላማ እቲ ኣኼባ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ኣብ ጥሪ 1939 ዝወጸት ኢንፎርማንት (ሕጂ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እትበሃል ዘላ) ናይዚ መልሲ ኽትህብ ከላ፡ “እዚ ኣኼባታት እዚ፡ ክፍሊ እቲ ቲኦክራስያዊ ውድብ የሆዋ ንኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ዜካይደሉ መገዲ እዩ። ኣብቲ ኣኼባታት ዚወሃብ መምርሒ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ነቲ እተዋህቦ ዕዮ ብግቡእ ንኺዓዪ ስለ ዚሕግዞ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ” በለት። እቶም ብ1938 ዝነበሩ 58,000 ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ሕጂ ብ2009 ልዕሊ 7,000,000 ኰይኖም ክንርኢ ኸለና፡ ብሓቂ ኣኼባ ወረዳ ንክርስትያን ኣገልገልቲ ‘ነቲ እተዋህቦም ዕዮ ብግቡእ ንኺዓዩ’ ኸም ዝሓገዞም ዜጠራጥር ኣይኰነን።
2 ፍረ ነገር ኣኼባ ወረዳ፦ ነቲ ኣብ መስከረም ዚጅምር ኣኼባ ወረዳን ነቲ ኻብኡ እንረኽቦ ምትብባዕን ብሃንቀውታ ኢና እንጽበዮ። ቀንዲ ኣርእስቲ እቲ ኣኼባ ኻብ ዮሃንስ 15:19 እተወስደ ዀይኑ፡ “ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን” ዚብል እዩ። ንክርስትያን ኣገልገልቲ ዚጠቅም እንታይ መደረታት ኪቐርብ እዩ፧ ቀዳም፡ “ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት የዕቍበና—ብኸመይ፧” ዚብል መደረ ኪቐርብ እዩ። “በቲ ኣራዊት፡” “በታ ዓባይ ኣመንዝራ፡” “በቶም ነጋዶ” ዘርእስቱ መደረታት ዝሓዘ፡ “ኣይትበከሉ” ዚብል ሰለስተ ኽፍልታት ዘለዎ ዓውደ-መጽናዕቲ እውን ኪቐርብ እዩ። ሰንበት፡ “ንዓለም ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ኣፍቅሩ” ዚብል ዓውደ-መጽናዕቲ ኺህሉ እዩ። “‘ኣጋይሽን ስደተኛታትን’ ኴንኩም ቀጽሉ፡” “ኣጆኹም! ንዓለም ክትስዕርዋ ትኽእሉ ኢኹም” ዚብል መደረታት እውን ኪቐርብ እዩ።
3 ሓንቲ ኣብ ኣገልግሎት ዛሕቲላ ዝነበረት ሓብቲ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ እተገብረ ኣኼባ ወረዳ ምስ ተኣከበት፡ እቲ ኣኼባ፡ ኵነታታ እንደገና ንኽትምርምርን ‘ምኽኒት ከየብዝሐት ኣብ ኣገልግሎት ንምክፋል’ ቈራጽነት ክትገብርን ከም ዝሓገዛ ጸሓፈት። እቲ ኣብ ሓድሽ ዓመት ኣገልግሎት ዚግበር ኣኼባ ወረዳ፡ ንዓለም ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ንኸነፍቅር ኸም ዚሕግዘና ኣየጠራጥርን እዩ። (1 ዮሃ. 2:15-17) ስለዚ፡ ካብዚ ንክርስትያን ኣገልገልቲ ተባሂሉ እተገብረ መሰናድዎ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽትጥቀም፡ ኣብኡ ኽትእከብን ጽን ኢልካ ኽትሰምዕን ጻዕሪ ግበር።
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
1. ብ1938 እንታይ ሓድሽ መሰናድዎ እዩ እተገብረ፧ ዕላማኡኸ እንታይ ነበረ፧
2. ኣብቲ ኣብ ሓድሽ ዓመት ኣገልግሎት ዚህሉ ኣኼባ ወረዳ እንታይ ኪቐርብ እዩ፧
3. ኣብቲ ኣኼባ ወረዳ ምእካብና እንታይ ጥቕሚ የምጽኣልና፧