9 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
9 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ 1 ነገስት 21-22
ቍ. 1፦ 1 ነገስት 22:1-12
ቍ. 2፦ td 32ለ ኣርማጌዶን—ፍቕሪ ኣምላኽ ኣይገሃስን
ቍ. 3፦ ኤልሳእ ዝሓደጎ ኣብነት ብዛዕባ ጸሎት እንታይ ይምህረና፧ (ያእ. 5:18)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት።
10 ደቒቕ፦ ፍልቀት ምስ ስነ-ፍልጠት ይቃዶ ድዩ፧ ኣብ መጽሓፍ ሪዝኒን፡ ካብ ገጽ 121 ሕጡብ ጽሑፍ 4 ኽሳብ ገጽ 126 ሕጡብ ጽሑፍ 2 ኣብ ዘሎ ሓሳባት ተመርኲስካ ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥ። ነዚ ሓሳብ እዚ ተጠቒሞም ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ ኣብ ካልእ እዋን ኪምስክሩ ኸለዉ ብዛዕባ ዝረኸብዎ ተመክሮ ኼዘንዉ፡ ንሰማዕቲ ዓድሞም።
10 ደቒቕ፦ እንታይ መንፈሳዊ ሸቶታት ኣሎካ፧ ኣብታ እተወደበ እትበሃል መጽሓፍ፡ ካብ ገጽ 117 ሕጡብ ጽሑፍ 2 ኽሳብ መወዳእታ እታ ምዕራፍ ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥ። ሰማዕቲ፡ ወለዶም ወይ ካልኦት ኣሕዋት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኺጅምሩ ዜኽእሎም ሸቶታት ኪስዕቡ ብኸመይ ከም ዝሓገዝዎም ሓሳብ ኪህቡ ዓድሞም።
10 ደቒቕ፦ “ንክርስትያን ኣገልገልቲ እተገብረ መሰናድዎ።” ብሕቶን መልስን ዚግበር ምይይጥ። ዚቕጽል ኣኼባ ወረዳ መዓስ ምዃኑ ዚፍለጥ እንተ ደኣ ዀይኑ ንገር። ሰማዕቲ ኣብ ቀረባ እዋን እተገብረ ኣኼባ ወረዳ ብኸመይ ከም ዝጠቐሞም ኪገልጹ ዓድሞም።