28 ሰነ እትጅምር ሰሙን
28 ሰነ እትጅምር ሰሙን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ 1 ነገስት 3-6
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት።
15 ደቒቕ፦ ኣብ ሓምለ፡ መጽሔታት ንምዕዳል ተዳሎ። ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥ። ንትሕዝቶ እቲ መጽሔታት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወይ ክልተ ደቒቕ ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጽ። ድሕሪኡ፡ ክልተ ወይ ሰለስተ ዓንቀጻት መሪጽካ፡ ነተን ዓንቀጻት ንምፍላጥ እንታይ ሕቶታትን ጥቕስታትን ኪጥቀሙ ኸም ዚኽእሉ ንሰማዕቲ ሕተቶም። ነፍሲ ወከፍ ሕታም ብኸመይ ኪብርከት ከም ዚኽእል ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ። ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣብ እትገብረሉ እዋን ብኸመይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀምር ከም እትኽእል ዜርኢ ኻልእ መርኣያ ብምቕራብ ዛዝም።—km 8/07 ገጽ 6 ርአ።
15 ደቒቕ፦ ካብ ቍልዕነቶም ኣትሒዝካ ኣሰልጥኖም። ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥ። ጢሞቴዎስ ቀናእን ክኢላን ወንጌላዊ እዩ ነይሩ። (ፊል. 2:20-22) ከምኡ ኪኸውን ዝኸኣለ፡ ኣብ ግዜ ቝልዕነቱ ኣዲኡን ዓባዩን መንፈሳዊ መሰረት ንኼንብር ስለ ዝሓገዛኦ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (2 ጢሞ. 1:5፣ 3:15) እዚ ዚስዕብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳባት፡ ወለዲ ንውሉዳቶም ንፉዓት ወንጌላውያን ኪዀኑ ንኼሰልጥንዎም ይሕግዝ፦ (1) ካብ ቍልዕነቱ ኣትሒዝካ ናብ ኣገልግሎት ሒዝካዮ ኺድ፣ ከም ዕድሚኡን ክእለቱን መጠን ኣብ ኣገልግሎት ንኺካፈል ኣሰልጥኖ። (ምሳ. 22:6) (2) ንኣገልግሎት ቀዳምነት ብምሃብ ዝመጸ ጽቡቕ ኣርኣያ ኹን። (ፊል. 1:9, 10) (3) ኣምልኾ ስድራ ቤት ክትገብሩ ኸለኹም ኰነ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት፡ ንዕዮ ስብከት ፍቕርን ሞሳን ከም ዚህልዎ ግበር። (ዘዳ. 6:6, 7) (4) ብዛዕባ ኣገልግሎት ዘለካ ኣመለኻኽታን እትዛረቦ ቓላትን ኣወንታዊ ይኹን። (ፊል. 3:8፣ 4:8፣ 1 ጢሞ. 1:12) (5) ብቐጻሊ ምስ ስድራ ቤትካ ሓቢርካ ኣገልግል፡ ኣገልግሎት ምኻድ ከኣ ልማድካ ግበሮ። (ግብ. 5:41, 42) (6) ምስ ቀናኣት ኣገልገልቲ ተመሓዞ። (ምሳ. 13:20) ሰማዕቲ፡ ብኣገልግሎቶም ሕጉሳትን ውጽኢታውያንን ንኪዀኑ ወለዶም ብኸመይ ከም ዝሓገዝዎም ንጹር ሓሳባት ኪህቡ ዓድሞም።