ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብታ 28 ሰነ 2010 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ። እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ ኣብቲ ኻብ 3 ግንቦት ክሳዕ 28 ሰነ 2010 እተሸፈነ ትምህርትታት ተመርኲሱ 20 ደቒቕ ዚወስድ ድግማ ይመርሕ።
1. ዳዊት ብሞት ኣብኔር ምሕዛኑ እንታይ እዩ ዚምህረና፧ (2 ሳሙ. 3:31-34) [w05 15/5 ገጽ 17 ሕ.ጽ. 6፣ w06 15/7 ገጽ 21 ሕ.ጽ. 9-10]
2. ናታን እንታይ ጌጋ እዩ ፈጺሙ፧ የሆዋ ንናታን ከም ነብዪ መጠን ዘይነጸጎኸ ስለምንታይ እዩ፧ (2 ሳሙ. 7:3) [rs-E ገጽ 134 ሕ.ጽ. 8]
3. ካልኣይ ሳሙኤል 7:14 እተፈጸመት ብኸመይ እያ፧ [it-1-E ገጽ 273 ሕ.ጽ. 3፣ it-2-E ገጽ 818 ሕ.ጽ. 2]
4. ዳዊት ንመፊቦሸት ዝገበረሉ ነገራት መግለጺ ሕያውነት ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ እዚኸ ንዓና ብኸመይ ኪጸልወና ኣለዎ፧ (2 ሳሙ. 9:7) [w02 15/5 ገጽ 19 ሕ.ጽ. 5]
5. ኣብ መንጎ ኢታይ እቲ ጋታዊን ንጉስ ዳዊትን ካብ ዝነበረ ርክብ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ (2 ሳሙ. 15:19-22) [w09 15/5 ገጽ 27-28]
6. ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ጺባ ብዛዕባ መፊቦሸት ዘቕረቦ ኽሲ ሓሶት ከም ዝነበረ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧ (2 ሳሙ. 16:1-4) [w02 15/2 ገጽ 14-15 ሕ.ጽ. 11 እግረ-ጽሑፍ]
7. ዳዊት ነቲ ወዲ 80 ዓመት ዝነበረ ባርዚላይ ናብ ቤተ መንግስቱ ምስኡ ኪኸይድ ሕቶ እኳ እንተ ኣቕረበሉ፡ ባርዚላይ ግን ኪምሃም ኪኸይድ ሓሳብ ዘቕረበ ስለምንታይ እዩ፧ (2 ሳሙ. 19:33-37) [w07 1/6 ገጽ 24 ሕ.ጽ. 13]
8. ትሕትና የሆዋ ንዳዊት ዘዕበዮ ብኸመይ እዩ፧ (2 ሳሙ. 22:36) [w07 1/11 ገጽ 5 ሕ.ጽ. 2፣ w04 1/11 ገጽ 29]
9. ዳዊት ገና ብህይወቱ ኸሎ፡ ኣዶንያ ኣብ ዝፋን ኪድይብ ዝፈተነ ስለምንታይ እዩ፧ (1 ነገ. 1:5) [w05 1/7 ገጽ 28 ሕ.ጽ. 5]
10. የሆዋ ነቲ ሰሎሞን ጥበብን ምስትውዓልን ኪወሃቦ ዘቕረቦ ጸሎት ዝመለሰሉ ስለምንታይ እዩ፧ (1 ነገ. 3:9) [w05 1/7 ገጽ 30 ሕ.ጽ. 2]