17 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
17 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
lv ምዕ. 5 ሕ.ጽ. 1-6፡ ኣብ ገጽ 52, 55 ዘለዋ ሳጹናት
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ 2 ሳሙኤል 9-12
ቍ. 1፦ 2 ሳሙኤል 10:1-12
ቍ. 2፦ የሱስ ንትምህርትታቱ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተመስሪቱ ዘቕረቦ ስለምንታይ እዩ፧ (ዮሃ. 7:16-18)
ቍ. 3፦ td 26ሀ ኣብ ክርስቶስ እተሃንጸት መንፈሳዊት ቤተ-ክርስትያን
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት።
10 ደቒቕ፦ ኣብ ግዜ ዕረፍትኻ ሓጋዚ ፈላሚ ኽትከውን ትኽእልዶ፧ ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥ። ኣብታ እተወደበ እትበሃል መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 112-113 ዚርከብ ኪማላእ ዜድሊ ብቕዓታት ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጽ። ነቶም ካብ ስራሕ ወይ ካብ ትምህርቲ ንዝረኸብዎ ዕረፍቲ፡ ሓገዝቲ ፈለምቲ ዀይኖም ንምግልጋል እተጠቕሙሉ ኣስፋሕቲ፡ ብዛዕባ ዝረኸብዎ በረኸት ኪገልጹ ዓድሞም።
10 ደቒቕ፦ እቲ ብስራት ዚስበኸሉ ሜላታት—ዘይወግዓዊ ምስክርነት። ኣብ መጽሓፍ እተወደበ፡ ኣብቲ ኻብ ገጽ 101፡ ሕጡብ ጽሑፍ 3፡ ክሳብ ገጽ 102፡ ሕጡብ ጽሑፍ 2 ዚርከብ ትምህርቲ ተመርኲስካ ዚቐርብ ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥ። ኣብታ ጉባኤ ብዘይወግዓዊ ምስክርነት እተረኽበ ሓደ ወይ ክልተ ተመክሮ ኸም ዚዝንቶ ወይ ብመርኣያ ኸም ዚቐርብ ግበር።
10 ደቒቕ፦ “ክርስትያን ኣገልገልቲ ኺጽልዩ ኣለዎም።” ብሕቶን መልስን ዚቐርብ ምይይጥ።