ክርስትያን ኣገልገልቲ ኺጽልዩ ኣለዎም
1. ኣገልግሎትና ንኽፍጽም እንታይ የድልየና፧
1 ንኣገልግሎት ብናይ ገዛእ ርእስና ዓቕሚ ኽንፍጽሞ ኣይንኽእል ኢና። ነዚ ዕዮ እዚ ንምዕያይ፡ የሆዋ ብርታዐ ይህበና እዩ። (ፊል. 4:13) ብመላእኽቱ ገይሩ፡ ኣባጊዕ መሰል ዝዀኑ ሰባት ንኽንረክብ ይሕግዘና እዩ። (ራእ. 14:6, 7) ነቲ ዝተኸልናዮን ዘስተናዮን ዘርኢ ሓቂ ዜብቍሎ እውን የሆዋ እዩ። (1 ቈረ. 3:6, 9) እምበኣር፡ ክርስትያን ኣገልገልቲ ብጸሎት ኣቢሎም ኣብቲ ሰማያዊ ኣቦና ኺውከሉ ኣለዎም።
2. ብዛዕባ እንታይ ክንጽሊ ንኽእል፧
2 ብዛዕባ ገዛእ ርእስና፦ ኵሉ ሳዕ ክንሰብኽ ከለና፡ ክንጽሊ ኣሎና። (ኤፌ. 6:18) ብዛዕባ እንታይ ክንጽሊ ንኽእል፧ ብዛዕባ ኽልና ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንኺህልወናን ትብዓት ንኺወሃበናን ክንጽሊ ንኽእል ኢና። (ግብ. 4:29) የሆዋ ናብቶም መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዖም እንኽእል ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ምእንቲ ኺመርሓና፡ ክንልምኖ ንኽእል ኢና። እቲ ብዓል ቤት ሕቶ እንተ ሓቲቱና፡ ግቡእ ምላሽ ንኽንህብ የሆዋ ምእንቲ ኺሕግዘና ብልብና ሓጺር ጸሎት ከነቕርብ ንኽእል ኢና። (ነህ. 2:4) ንኣገልግሎት ቀዳምነት ንኽንህብ ዜድሊ ጥበብ ምእንቲ ኽንረክብ እውን ክንጽሊ ንኽእል ኢና። (ያእ. 1:5) ብዘይካዚ፡ ኣገልገልቲ ናይ ምዃን ፍሉይ መሰል ብምርካብና ሞሳና ኽንገልጽ ከለና፡ የሆዋ ይሕጐስ እዩ።—ቈሎ. 3:15።
3. ብዛዕባ ኻልኦት ምጽላይ፡ ዕዮ ስብከትና ብዝያዳ ንኺዝርጋሕ ዚሕግዝ ብኸመይ እዩ፧
3 ብዛዕባ ኻልኦት፦ ‘ምእንቲ ሓድሕድና’ ኽንጽሊ ኣሎና፣ ግቡእ ኣብ ዝዀነሉ እዋን እውን፡ ኣብ ጸሎትና ንኣገልገልቲ ዝዀኑ ብጾትና ብስም ክንረቝሖም ንኽእል ኢና። (ያእ. 5:16፣ ግብ. 12:5) ኣብ ዕዮ ስብከት ከም ድላይካ ንኸይትካፈል ዚዓግተካ ጸገም ጥዕና ኣሎካዶ፧ እንተ ኣሎካ፡ ምእንቲ እቶም ጽቡቕ ጥዕና ዘለዎም ኣገልገልቲ ዝዀኑ ብጾትካ ጸሊ። ኣብ ክንዳኦም እተቕርቦ ጸሎት ኬፍርዮ ንዚኽእል ኣሳልጦ ኣትሒትካ ኣይትርኣዮ። ኣሕዋትና ‘ሃዲኦም ብዘይ ህውከት ምእንቲ ኺነብሩ፡’ ሰበ-ስልጣን ብዛዕባ ዕዮ ስብከትና ጽቡቕ ኣረኣእያ ንኺህልዎም ክንጽሊ እውን ግቡእ እዩ።—1 ጢሞ. 2:1, 2።
4. ጸሎት ከነዘውትር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
4 ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ምድሪ ምእዋጅ፡ ከቢድ ዕዮ እዩ። ‘ጸሎት ነዘውትር’ እንተ ዄንና ግን፡ ነዚ ዕዮ እዚ ብሓገዝ የሆዋ ኽንፍጽሞ ንኽእል ኢና።—ሮሜ 12:12።