ምልክታታት
◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ ታሕሳስ፦ ዝዓበየ ሰብኣይ ወይ ዓብዪ መምህር፣ ጥሪ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧፣ ለካቲት፦ መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት፣ መጋቢት፦ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
◼ ወረቐት ዕድመ በዓል ዝኽሪ 2010፡ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ብእትጥቀመሉ ቛንቋ ኣብ ቀረባ ግዜ ኺለኣኽ እዩ። ኣብ ክልኹም ካልእ ቋንቋታት ዚዝረብ እንተ ዀይኑ እሞ በቲ ቛንቋታት እቲ ወረቐት ዕድመ እንተ ደሊኹም፡ ብእተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ በቲ ናይ ጽሑፋት መሕተቲ ፎርም (S-14) ጌርካ ኺእዘዝ ኣለዎ።
◼ ብዙሓት ኣስፋሕቲ፡ ሰባት ኪርከቡሉ ኣብ ዚኽእሉ ዝዀነ ይኹን ቦታ፡ ማለት ኣብ መገዲ፡ ኣብ ናይ ማካይን ደው መበሊ፡ ከምኡውን ኣብ ካልእ ህዝባዊ ቦታታት ናብ ሰባት ብምቕራብ ጽቡቕ ፍረ ረኺቦም ኢዮም። እዚ ዚነኣድ እኳ እንተ ዀነ፡ ብቓልና ጥራይ ዘይኰነስ ሚዛናውያን ብምዃን እውን ጽቡቕ ምስክርነት ክንህብ ንደሊ ኢና። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ዘለዉ ኣስፋሕቲ፡ ኣብ ናይ ንግዲ ኸባቢታት፡ ኣብ መናፈሻታት ከምኡውን ኣብ ቀንዲ ጐደና እምብዛ ምእንቲ ኸይበዝሑ፡ ኻብቲ ናይ ጉባኤኦም ክሊ ኺሓልፉ የብሎምን። ናይ ካልእ ጉባኤ ኮሚተ ኣገልግሎት ደገፍ ክግበረሎም ገለ ፍሉይ ምድላው እንተ ዘይገይሩ፡ ንኣገልግሎትና ብስርዓትን ክብሪ ብዝመልኦ ኣገባብን ንምፍጻም ኣብቲ ንጉባኤና እተመደበላ ኽሊ ጥራይ ነገልግል። እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ከባቢ ኽልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ጉባኤታት ዚጥቀማሉ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዘሎ ኽሊ ዜጠቓልል እዩ፣ ኣብዚ ኽሊ እዚ ኽትዓዪ እትኽእል፡ እቲ ኣዳራሽ ኣብ ክላ ዚርከብ ጉባኤ ጥራይ እያ።