ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብታ 26 ጥቅምቲ 2009 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ።
1. የሆዋ ንበላዓም ምስቶም ባላቕ ዝለኣኾም ሰባት ኪኸይድ ካብ ነገሮ፡ ኵራ የሆዋ ኣብ በላዓም ዝነደደ ደኣ ስለምንታይ እዩ፧ (ዘሁ. 22:20-22) [w04 1/8 ገጽ 27 ሕ.ጽ. 2]
2. ፊንሃስ ንየሆዋ ‘ብቕንኣት’ ዜገልግል ምንባሩ፡ ማለት ንየሆዋ ዚቀናቐን ዕሽሽ ኢሉ ዘይርኢ ምንባሩ፡ ነቲ ንኣምላኽ ዝገበርናዮ ወፈያ ንኸነስተንትነሉ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧ (ዘሁ. 25:11) [w 3/95 ገጽ 16 ሕ.ጽ. 13]
3. እያሱ ንሙሴ ኺትክእ እተመርጸ ስለምንታይ እዩ፧ (ዘሁ. 27:15-19) [w02 1/12 ገጽ 12 ሕ.ጽ. 1]
4. ዘሁልቍ 31:27 ሎሚ ንዘለዉ ክርስትያናት ከተተባብዖም እትኽእል ብኸመይ እያ፧ [w05 15/3 ገጽ 24]
5. መሰናድዎ ኸተማታት ዕቝባ ንህዝቢ እስራኤል ብኸመይ ጠቒምዎም፧ (ዘሁ. 35:11, 12) [w95 15/11 ገጽ 14 ሕ.ጽ. 17]
6. ምስትውዓል ኣገዳሲት ክርስትያናዊት ባህርይ ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧ እንታይከ ተፍሪ፧ (ዘዳ. 1:13) [w03 15/1 30፣ w00 1/10 ገጽ 32 ሕ.ጽ. 1-3]
7. ሕጊ ሙሴ ንጽድቂ ኣምላኽ ዝገለጾ በየናይ መገድታት እዩ፧ (ዘዳ. 4:8) [w02 1/6 ገጽ 14 ሕ.ጽ. 8–ገጽ 15 ሕ.ጽ. 9-10]
8. ምስ ዘዳግም 6:16-18 ብምስምማዕ፡ ንየሆዋ እንፍትነሉ ቕኑዕን ጌጋን መገዲ ግለጽ። [w04 15/9 ገጽ 26 ሕ.ጽ. 6]
9. ካብ ኣፍ የሆዋ ዚወጽእ ቃል ንእስራኤላውያን ዜድልዮም ዘማልኣሎም ብኸመይ እዩ፧ ሎሚኸ ንዓና ብኸመይ ይዕንግለና፧ (ዘዳ. 8:3) [w99 15/8 ገጽ. 25-26]
10. ዘዳግም 12:16, 24 ነቲ ብደም ገዛእ ርእስና ጌርካ ብዛዕባ ዚግበር ሕክምና ዘሎና ኣረኣእያ ብኸመይ ትጸልዎ፧ [w00 15/10 ገጽ 30 ሕ.ጽ. 7]