ሕቶ ሳጹን
◼ ከይትሰብኽ መምርሒ እንተ ተዋሂቡካ፡ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧
ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት፡ ኣባላት ፖሊስ ኣብ ኣገልግሎት ንእተጸምዱ ኣስፋሕቲ፡ ሕጊ የፍርሱ ኸም ዘለዉ ነጊሮም፡ ስብከቶም ደው ኬብሉ መምርሒ ሂቦምዎም እዮም። ከምኡ እንተ ኣጋጢሙካ፡ ብቕልጡፍን ብትሕትናን ነቲ ኽሊ ለቒቕካ ኺድ። (ማቴ. 5:41፣ ፊል. 4:5) ብዛዕባ ሕጋዊ መሰልካ ብምምጓት፡ ባዕልኻ ነቲ ጕዳይ ክትፈትሖ ኣይትፈትን። እንተ ተኻኢሉ፡ ብሜላ መንነት እቲ ፖሊስን ዚዓየሉ ኸባብን ሓዝ። ድሕሪኡ፡ ብቕልጡፍ ንሽማግለታት ሓብሮም፣ ንሳቶም እውን ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ንቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኪሕብሩ እዮም። ብተመሳሳሊ፡ ሓላው ህንጻ ወይ ካልእ ሓላፍነት ዘለዎ ሰብ፡ ካብ እተገልግለሉ መንበሪ ህንጻታት ክትወጽእ እንተ ሓቲቱካ፡ ከምቲ ዝበለካ ኽትገብርን ንሽማግለታት ክትሕብሮምን ኣሎካ። ነቶም ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ልኡም ምላሽ ምሃብን ብትሕትና ምዝራብን፡ ብዙሕ ዘየድሊ ጸገማት የወግድ እዩ።—ምሳ. 15:1፣ ሮሜ 12:18።