ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ እዩ።
1. ካብቲ ኣብ ዘጸኣት 23:19 ዚርከብ ሕጊ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ [w06 1/4 ገጽ 31 ሕ.ጽ. 1-5]
2. ኡሪምን ቱሚምን እንታይ እዩ ነይሩ፧ ኣብ ጥንታዊ እስራኤልከ ብኸመይ ይዕየየሉ ነበረ፧ (ዘጸ. 28:30) [w06 15/1 ገጽ 18፣ w01 1/9 ገጽ 27]
3. የሆዋ ንሙሴ “ገጽ ንገጽ” እተዛረቦ ብኸመይ እዩ፧ (ዘጸ. 33:11, 20) [w04 15/3 ገጽ 27]
4. ካብቲ እስራኤላውያን ንማሕደር ኪኸውን ኢሎም ንዋታውን ክኢላውን ዓቕሞም ብምሃብ ዝገበርዎ ተግባር እንታይ ትምህርቲ ንረክብ፧ (ዘጸ. 35:5, 10) [w99 1/11 ገጽ 31 ሕ.ጽ. 1-2]
5. እቲ ኣብ ዘጸኣት 40:28 ተጠቒሱ ዘሎ መጋረጃ፡ ኣብታ ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ንምንታይ የመልክት፧ [w00 15/1 ገጽ 15 ሕ.ጽ. 7-8]
6. እቲ ምሉእ ብምሉእ ኣብ መሰውኢ ዚሓርር ዝነበረ “ዚሐርር መስዋእቲ” ነየናይ መዳይ መስዋእቲ የሱስ እዩ ዜመልክት፧ (ዘሌ. 1:13) [w04 15/5 ገጽ 21 ሕ.ጽ. 3]
7. “ኵሉ ስብሒ ናይ እግዚኣብሄር እዩ” ዚብል ሓሳብ እንታይ እዩ ዚምህረና፧ (ዘሌ. 3:16, 17) [w04 15/5 ገጽ 22 ሕ.ጽ. 2]
8. ክህነት ኣሮን ኣብ ዚቘመሉ እዋን፡ ኣሮንን ደቁን ኣብ የማኖት ኣእዛኖምን የማኖት ኣእዳዎምን የማኖት ኣእጋሮምን ደም ድዑል ምልካዮም እንታይ ትርጕም ነበሮ፧ (ዘሌ. 8:23, 24) [it-2 ገጽ 1113 ሕ.ጽ. 4]
9. ካብ ዘሌዋውያን 12:8 ብዛዕባ ኣተዓባብያ የሱስ እንታይ ከነስተውዕል ንኽእል፧ ካብዚኸ እንታይ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል፧ [w98 15/12 ገጽ 6 ሕ.ጽ. 5]
10. ናይ እስራኤል ዓመታዊ መዓልቲ ዕርቂ ኣብቲ የሱስ ዘቕረቦ መስዋእታዊ በጃ ዚህቦ ጥቕሚ ጽላሎት ዝነበሮ ብኸመይ እዩ፧ (ዘሌ. 16:11-16) [w98 15/2 ገጽ 12 ሕ.ጽ. 2]