ትምህርቲ ቕድሚ ምሃብካ ግቡእ ምድላው ግበር
1. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ከለና፡ እቲ ተመሃራይ መማሰዊ ኪኸውን ንኽንሕግዞ ኽንጽዕር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
1 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ከለና፡ ነቲ ተመሃራይ ንየሆዋ ኼገልግል ምእንቲ ኽንድርኾ ግቡእ ምድላው ክንገብር ኣሎና፧ እቲ ተመሃራይ ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ኬማስወሉ ንሕግዞ እንተ ደኣ ዄንና፡ ጻዕርና ጽቡቕ ፍረ ኼፍሪ እዩ። ከመይሲ፡ እቲ ተመሃራይ ዜማሱ እንተ ደኣ ዀይኑ ንየሆዋ ኼገልግል ኪድረኽ ይኽእል እዩ። (ዘዳግም 6:5፣ ምሳሌ 4:23፣ 1 ቈረንቶስ 9:26) ከም ዜማሱ ኽንገብሮ እንኽእል ግን ከመይ ጌርና ኢና፧
2. ነቲ መጽናዕቲ ኽንዳሎ ኸለና ጸሎት ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧
2 ክትዳሎ ኸለኻ ጸሊ፦ ዘርኢ ሓቂ ኣብ ልቢ ተመሃራይ ከም ዝበቍል ዚገብር የሆዋ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ መጽናዕቲ ኽንዳሎ ኸለና ብዛዕባ እቲ ተመሃራይን ዜድልዮ ነገራትን ኣነጺርና ብምጽላይ ክንጅምሮ ግቡእ እዩ። (1 ቈረንቶስ 3:6፣ ያእቆብ 1:5) ከምዚ ዝኣመሰለ ጸሎት፡ ልቢ እቲ ተመሃራይ “ብፍልጠት” ፍቓድ የሆዋ ንኺመልእ፡ ብኸመይ ተወሳኺ ሓገዝ ከም እንህቦ ንኽንውስን እውን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።—ቈሎሴ 1:9, 10
3. ብዛዕባ እቲ ተመሃራይ እናሓሰብና ኽንዳሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
3 ነቲ ተመሃራይ ኣብ ግምት ኣእትዎ፦ ውጽኢታዊ ኣመሃህራ ንሰማዕቲ ኣብ ግምት ምእታው ከም ዜጠቓልል የሱስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እንተ ወሓደ ኣብ ክልተ ኣጋጣሚታት፡ “ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ እንታይ እግበር፧” ዚብል ሓደ ዓይነት ሕቶ ቐሪቡሉ ነበረ። መልሲ ኺህብ ከሎ ግን እተፈላለየ ኣቀራርባ እዩ ተጠቒሙ። (ሉቃስ 10:25-28፣ 18:18-20) ክንዳሎ ኸሎና ብዛዕባ እቲ ተመሃራይ ክንሓስብ ኣሎና። ምስኡ ዄንና እነንብቦ ጥቕስታት ኣየናይ እዩ፧ ክንደይ ዚኸውን ሕጡብ ጽሑፍ ኢና ኽንሽፍን፧ እቲ ተመሃራይ ንኺርድኦ ወይ ንኪቕበሎ ዜጸግሞ ነጥብታት ኣየናይ እዩ፧ ብዛዕባ እቲ ኺሓቶ ዚኽእል ሕቶታት ኣቐዲምና እንተ ደኣ ሓሲብናሉ፡ ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ንኽንምልሰሉ ኽንዳሎ ኢና።
4. ጽቡቕ ምድላው እንታይ የጠቓልል፧
4 ነቲ ጽሑፍ ተዳለወሉ፦ ነቲ ጽሑፍ ኣብ ዝሓለፈ ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ነጽንዓዮ ብዘየገድስ፡ ምስቲ ተመሃራይ ንመጀመርታ ኢና እነጽንዕ ዘለና። ልቡ ኽንትንክፍ እንተ ደኣ ደሊና፡ ቅድሚ ነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ፡ ጽቡቕ ምድላው ክንገብር ኣሎና። በዚ ኸምዚ ንሕናውን ንባዕልና እቲ ተመሃራይ ንኺገብሮ እነተባብዖ ነገር ኢና እንገብር ዘለና። ነቲ ጽሑፍ፡ እንተላይ ነቲ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ እቲ ተመሃራይ እናሓሰብና ንዳለወሉ፣ ነቲ ቐንዲ ቐንዲ ነጥብታት ከኣ ከነስምረሉ ንኽእል ኢና።—ሮሜ 2:21, 22።
5. ንየሆዋ ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧
5 የሆዋ ብዕቤት ነፍሲ ነፍሲ ወከፍ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቑ ይግደስ እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:9) ንነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቐዲምና ብምድላው፡ ከምኡ ዝኣመሰለ ፍቕራዊ ሓልዮት ነርኢ።