መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ግንቦት
ማቴዎስ 24:3 ኣንብብ። ድሕሪኡ ኸምዚ በል፦ “ገሊኦም ሰባት፡ እዛ ሕቶ እዚኣ ብዛዕባ መወዳእታ ምድርና እትዛረብ ዘላ ይመስሎም። ምድሪ እትጠፍእዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እቲ የሱስ ዝሃቦ መልሲ፡ ንመወዳእታ ምድሪ ዘይኰነስ፡ ንመወዳእታ ኻልእ ነገር ብሃንቀውታ ኸም እንጽበ እዩ ዚገብረና። እዛ ኣብ ገጽ 16 እትርከብ ዓንቀጽ ነዚ ብዝያዳ ኸተብርሃልካ እያ።”
Awake! May
“ገሊኦም ሰበኽቲ፡ ንኣምላኽ እንተ ኣሐጒስናዮ፡ ስጋዊ ሃብቲ ኸም ዚህበና ይሰብኩ። ኰይኑ ግን፡ ድኻታት ግን ከኣ ጥዑያት ዝዀኑ ሰባት ትፈልጥ ትኸውን ኢኻ። ኣምላኽ ሃብታማት ክንከውን ዚደልየናዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ እብራውያን 13:5 ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚባርኸና ክትገልጸልካ እያ።” ኣብ ገጽ 12 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርኢ።
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሰነ
“ሎሚ ብዛዕባ ፍቕሪ፡ ኣተዓባብያ ቘልዑ፡ ከምኡውን ብዛዕባ ብሕታዊ ዕግበት ዚገልጽ መጻሕፍቲ ህቡብ ይኸውን ኣሎ። ንስኻኸ ብውልቅኻ ሓጋዚ ዀይኑዶ ረኺብካዮ፧ [መልሲ ተጸበ።] ብዙሓት ሰባት ንምንጪ እቲ ትውክልቲ ኺግበሮ ዚኽእል ምኽሪ ዕሽሽ ይብልዎ እዮም። [2 ጢሞቴዎስ 3:16 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክንኣምኖ እንኽእለሉ ምኽንያት ትገልጽ፡ ብዛዕባ እቲ ሒዝዎ ዘሎ ግብራዊ ምኽርታት ዚሕብር ኣብነታት ከኣ ትህብ።”
Awake! June
“ጥንሲ ምስዳድ ቅኑዕ ድዩ ጌጋ ዚብል ሓሳብ ብዙሕ ከም ዜካትዕ ትፈልጥ ትኸውን ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ ንሓደ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ውሳነ ኺገብር ዝደለየ ሰብ ኪሕግዞ ዚኽእልዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ እንታይ ከም ዚብል ትገልጽ።”