ምልክታታት
◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ ግንቦት፦ መጽሔታት፣ ሰነ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧፣ ሓምለን ነሓሰን፦ ብሮሹራት።
◼ ኣብ ካልእ ዓዲ ኣብ ዚግበር ኣኼባታት ጉባኤ፡ ኣብ ኣኼባ ወረዳ፡ ወይ ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ ኽትካፈሉ ምስ እትደልዩ፡ እዚ ኣኼባታት መዓስን ኣበይን ከም ዚግበር ንምፍላጥ ኣብታ ሃገር ዚግበር ዕዮ ስብከት ንዚከታተል ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ሕተቱ። ኣድራሻታት ኣብያተ-ጽሕፈት ጨንፈር ኣብ ናይ መወዳእታ ገጽ ኣብዚ ዓመት እዚ ዝወጸ ዓመት መጽሓፍ ኪርከብ ይከኣል እዩ።
◼ ቅድሚ እቲ “ንቕሑ!” ዘርእስቱ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ ሰሙን ኣብ ዘሎ እዋን፡ ብዛዕባ መዘኻኸሪታት ኣኼባ ኣውራጃ ንምምይያጥ መደብ እቲ ጉባኤ ኺተዓራረ ይኽእል እዩ። ድሕሪ እቲ ኣኼባ ሓደ ወይ ክልተ ወርሒ ጸኒሑ፡ ኣብቲ ነታ ጉባኤ ዜድሊ ዚብል ኽፍሊ፡ ብዛዕባ እቲ ኣስፋሕቲ ኣብ ኣገልግሎት ኪጠቕሞም ዚኽእል ነጥብታት ክትመያየጡ ትኽእሉ ኢኹም።
◼ ሓድሓደ እዋን፡ መጽሔታት ብኸመይ ክንዕድል ከም እንኽእል ንዜርኢ ኽፍሊ ዚኸውን መጽሔታት ኣብ ግዜኡ ኣይበጽሕን ይኸውን። ከምዚ ኼጋጥም ከሎ፡ ነቲ ናይ ቀረባ እዋን መጽሔታት ክትመያየጡሉ ትኽእሉ ኢኹም።