መደብ 1 ሰነ እትጅምር ሰሙን
1 ሰነ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 16 (143)
❑ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
cl ገጽ 192 ሕ.ጽ. 9–ገጽ 195 ሕ.ጽ. 17
❑ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘጸኣት 38-40
ቍ. 1: ዘጸኣት 40:1-19
ቍ. 2: ኵሉ ሳዕ ቀዳማይ ክትከውን ዲኻ እትደሊ፧ (lr ምዕ. 20)
ቍ. 3: td 14ለ “ኣብ ኵለን ሃይማኖታት ጽቡቕ ኣሎ” ምባል ቅኑዕ ኣይኰነን
❑ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
መዝሙር 22 (130)
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት።
10 ደቒቕ፦ ካልኦት ዕቤት ኪገብሩ ሓግዞም። ኣብታ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት እትበሃል መጽሓፍ ኣብ ገጽ 187 ኣብ ዚርከብ ካልኣይ ሕጡብ ጽሑፍ ተመርኲስካ ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥ። ሓደስቲ ሰባት ዕቤት ኪገብሩ ንዝሓገዘ ፈላሚ ወይ ኣስፋሒ ኣሕጽር ኣቢልካ ቓለ-መጠይቕ ግበረሉ።
10 ደቒቕ፦ ነታ ጉባኤ ዜድሊ።
10 ደቒቕ፦ እንታይ ዓሚምና፧ ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥ። እታ ጉባኤ ኣብ ወቕቲ በዓል ዝኽሪ ተወሳኺ ንጥፈታት ብምግባራ ንኣዳ፣ እንታይ ከም እተዓመመ ድማ ብዝርዝር ግለጽ። እቶም ሰማዕቲ፡ ወረቐት ዕድመ ድራር ጐይታ ኺዕድሉ ኸለዉ ወይ ሓገዝቲ ፈለምቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ኸለዉ ዝረኸብዎ ተመክሮ ኺዛረቡ ዓድሞም።
መዝሙር 8 (53)