ንግዜኻ ብግቡእ ተጠቐመሉ
ካብ ሕሉፍ ሕታማት ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተኣኻኸበ ጠቓሚ ሓሳባት
1. (ሀ) ምስ ኣኼባታት ኣገልግሎት ወፍሪ ብዚተሓሓዝ፡ ንግዜና ኸመይ ጌርና ብግቡእ ክንጥቀመሉ ንኽእል፧ (ለ) ኣብ ምጽባይ እነሕልፎ ግዜ ኸነወግድ ወይ ክንንኪ እንደሊ ስለምንታይ ኢና፧
1 ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሰሙን ኣብ እተፈላለየ መዓላ ኼውዕሎ ዚኽእል ማዕረ ግዜ ኣለዎ። ብፍላይ እቲ ብስራት ኣብ ምስፋሕ እነሕልፎ ግዜ፡ ህይወት ንዜድሕን ዕዮ ዚውፈ ብምዃኑ ኣዝዩ ኽቡር እዩ። (ሮሜ 1:16) ኣብዚ ዕላማ እዚ ንዚውዕል ግዜ ዘሎና ሞሳ ድማ፡ ነቲ ኣቐዲምና ዝወጠንናዮ ኣገልግሎት ብግቡእ ብምድላው፡ ኣብቲ ናብ ኣገልግሎት ንምውፋር ዚግበር ኣኼባታት ከይደንጐና ብምብጻሕ፡ ናብቲ እነገልግለሉ ኽሊ ኸኣ ብኡንብኡ ብምኻድ ኢና እነርእዮ። ኣብ ምጽብባይ ግዜ ኻብ እነሕልፍ፡ ብቕልጡፍ ኣብ ስብከት እንተ ተጸመድና ይሓይሽ። የሆዋ ‘ንዅሉ ነገር ገግዜኡ ኣለዎ’ ኢሉ ስለ ዝመሃረና፡ ነቲ ንኣገልግሎት ኢልና ዝመደብናዮ ግዜ ብግቡእ ክንጥቀመሉ የድልየና።—መክ. 3:1። (km 6/99 ገጽ 4, ሕ.ጽ. 1)
ብዕላማ ብምግልጋል
2. ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ምስ ስብከትና እተተሓሓዘ እንታይ ዕላማ ኢና ኽንርስዕ ዘይብልና፧
2 እቲ ኣብ ምሳሌ 24:11, 12 ዘሎ ቓላት፡ ሓደ ኣገዳሲ ምኽንያት ናይ ኣገልግሎትና ኣበርቲዑ የብርሃልና፣ ብሓጺሩ፡ ናይ ህይወትን ሞትን ጕዳይ እዩ። ነዚ ሓሳብ እዚ ምስቲ ርእሲ እታ ጉባኤ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ማቴዎስ 28:19, 20 ዝሃቦ ትእዛዝ ከነተሓሕዞ ንኽእል ኢና። እቲ ዘርኢ ሓቂ ኸም ዚዓቢ ምእንቲ ኺግበር፡ ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣገዳሲ እዩ። (1 ቈረ. 3:6, 7) ነቲ ኣብ ናይ መጀመርያ ምብጻሕ እተዘርአ ዘርኢ፡ ሰይጣን ኸም ዘይምንጥሎ ይገብር። (km 6/95 ገጽ 4፡ ሕ.ጽ. 1, 5)
3. (ሀ) ኣብ ምስክርነት መገዲ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘይብልና፧ (ለ) ሓጐስና ምእንቲ ኺውስኽ፡ ንግዜና ብኸመይ ክንጥቀመሉ ኣሎና፧
3 ኣገልግሎት ምስ ወፈርና ጥንቁቓት እንተ ዘይኴንና፡ ክቡር ግዜ ኸነጥፍእ ንኽእል ኢና። ኣብ ምስክርነት መገዲ ኽንጽመድ ከለና፡ ንሓድሕድና እንተ ዘየዕለልና ይሓይሽ። ስለዚ እምበኣር፡ ምስ ሰባት ዝርርብ ንምጅማር ተበግሶ ንውሰድ። ከምዚ ምስ ዚግበር፡ ነቲ ዘሎና ግዜ ዝያዳ ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ኣብ ጥቕሚ ኸነውዕሎን ካብቲ ዕዮ ዓብዪ ሓጐስ ክንረክብን ንኽእል። (km 6/99 ገጽ 4፡ ሕ.ጽ 4, 5)
4. ንግዜና ብግቡእ ንምጥቃም፡ ኣብ ምንታይ ከነተኵር ኣሎና፧ ብኣብነት ኣረድእ።
4 ሓደ ሓላው ወረዳ፡ “ብዙሓት ኣብ ዚውሕዙሉ ኣደባባይ፡ ሰለስተ ኣስፋሕቲ መጽሔታት ሒዞም ንሓድሕዶም እናተዘራረቡ ደው ኢሎም ርእየ ኣለኹ፣ ብጥቓኦም ግን ብዙሓት ሰባት ይሓልፉ ነበሩ” በለ። እቶም ኣስፋሕቲ ኣብ ምስክርነት መገዲ ውጽኢታውያን ነይሮምዶ፧ ብዛዕባ ሰባት ድዮም ዚግደሱ ነይሮም፡ ወይስ ብዛዕባ ኣብ ኣገልግሎት ዚረኽብዎ ሰዓታት፧ ብመጽሔታት ጌርና ኣብ እንህቦ ምስክርነት፡ ኣብ ሓደ ቦታ ምጽናሕ፡ ንመብዛሕትኦም ኣስፋሕቲ ውጽኢታውያን ኣይገብሮምን እዩ። ልዕሊ ሓምሳ ዓመት ይገብር ውድብና ዝሃበና ምኽሪ፡ ሕጂ እውን ኪጠቕመና ይኽእል እዩ፦ “ደው ኣብ ዝበላ ማካይን ኰነ ኣብቲ ጐደና ብእግሮም ንዚኸዱ ሰባት መጽሔታት ኪወስዱ እናሓተትኩም ተንቀሳቐሱ። ፍሽኽ በሉ፡ ነቲ ሰብ ብቐጥታ እናጠመትኩም ድማ ተዛረቡ።” (km 3/84 ገጽ 5፡ ሕ.ጽ. 25 እንግሊዝኛ)
5. ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ጽቡቕ ምይይጥ ድሕሪ ምግባርና፡ ካልእ ግዜ ንኽንራኸብ ብኸመይ ቈጸራ ኽንሕዝ ንኽእል፧
5 ተገዳስነት እቶም ኣብ ህዝባዊ ቦታታት እንረኽቦም ሰባት ንዀስኵስ። መብዛሕትና ኣብ መገዲ፡ ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ፡ ኣብ ዕዳጋ፡ ኣብ መናፈሻ፡ ከምኡውን ኣብ ካልእ ቦታታት ምስባኽ የሐጕሰና እዩ። ጽሑፋት ኣብ ርእሲ ምዕዳልና፡ ነቲ እተራእየ ተገዳስነት ክንኵስኵስ የድልየና እዩ። ነዚ ንምግባር፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ እንረኽቦ ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብ ስም፡ ኣድራሻ፡ ከምኡውን ዚከኣል እንተ ዀይኑ ቝጽሪ ተሌፎን ንምሓዝ ክንጽዕር ኣሎና። ነዚ ሓበሬታታት እዚ ምርካብ፡ ከምቲ እትሓስቦ ኸቢድ ኣይኰነን። እቲ ዝርርብ ናብ ምውዳኡ ኪኸይድ ከሎ፡ ነታ መዘኻኸሪ እትጽሕፈላ ኣውጽኢካ፡ “ነዚ ዕላልና ኽንቅጽለሉ እንኽእል ካልእ ግዜ ይህሉዶ፧” ኢልካ ሕተቶ። ሓደ ሓው ብቐሊሉ፡ “በየናይ ቝጽሪ ተሌፎን ክረኽበካ እኽእል፧” ኢሉ ይሓትት። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ፡ ብዘይካ ሰለስተ ሰባት ካልኦት ኵሎም ቍጽሪ ተሌፎኖም ንምሃብ ሕጉሳት ከም ዝነበሩ ገለጸ። (km 3/97 ገጽ 6፡ ሕ.ጽ. 21)
6. ካብ ምንታይ መፈንጠራ ኢና ኽንጥንቀቕ ዘሎና፧
6 እቲ ጸላኢ ኣምላኽ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ፡ ሰባት ድሕነት ኪረኽቡ ኣይደልን እዩ። ስለዚ፡ ከይንሰብኽ ኬጃጅወና እዩ ዚፍትን። በዚ እንተ ደኣ ዘይሰሊጥዎ፡ ካልእ ብልሓት እዩ ዚፍትን፣ እዚ ድማ ነቲ ዝረኸብናዮ ተገዳስነት ሸለል ከም እንብል ይገብረና። ነቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ተመሊስና ብምኻድ ዝመጸ ሸለል በሃልቲ ኸይንኸውን ጥንቁቓት ክንከውን ይግብኣና። እዚ ብኸመይ ኪኸውን ይኽእል፧ ብዙሓት ኣስፋሕቲ ንገዛእ ርእሶም፡ “እዛ ምብጻሕ እዚኣ ኣይርስዓን እየ። ብርግጽ ነዚ ሰብ እዚ ኽዝክሮ እየ” ብዚብል ሓሳብ ገዛእ ርእሶም ብምትላል ናይ ተገደስቲ መዘኻኸሪ ኸም ዘይጽሕፉ ተራእዩ እዩ። ድሕሪኡ፡ ካልእ ነገራት፡ ነቶም ተገደስቲ ኸም እንርስዖም ይገብረና። ይኹን እምበር፡ ብኻልእ መገዲ እውን ክንርስዖም ንኽእል ኢና። ሓደ ሓው ንሓደ ሓላው ወረዳ ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመታት ዚኣክል ኣብ ኣገልግሎት ዝረኸቦም ዝርዝር ስማት ተገደስቲ ኸም ዘለዎ እሞ፡ ንዋላ ሓደ ድማ ፈጺሙ ተመሊሱ ኸም ዘይበጽሐ ኣዛረቦ! እቲ ጸላኢ ኣምላኽ ዝዀነ ሰይጣን ክንድዚ ዚኣክል ተገዳስነት ሸለል ኪበሃል ኪርኢ ከሎስ ኣይሕጐስንዶ፧ (km 6/95 ገጽ 4፡ ሕ.ጽ. 2, 3)
7. ንዝረኸብናዮ ተገዳስነት ከይንርስዕ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧
7 እቶም ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣብ ምግባርን መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጅማርን ዕዉታት ዝዀኑ፡ ንሰባት ብሕታዊ ተገዳስነት ምርኣይን ድሕርቲ ምብጻሕ ኣብ ዘሎ እዋን እውን ከይተረፈ ብዛዕባኦም ምሕሳብን ኣድላዪ ምዃኑ ይዛረቡ እዮም። ብዛዕባ ዚማርኾም ኣርእስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምይያጥ፡ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ምብጻሕ ካብቶም ሰባት ቅድሚ ምፍልላይካ ድማ መሰረት ምንባር ኣድላዪ እዩ። ብተወሳኺ፡ ነቲ ተገዳስነት ንምክትታል ቀልጢፍካ ምምላስ ኣገዳሲ እዩ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማር ዚብል ዕላማ ድማ፡ ኵሉ ግዜ ኣብ ኣእምሮ ኺተሓዝ ኣለዎ። (km 3/97 ገጽ 6፡ ሕ.ጽ. 29)
ብቐጻሊ ዕቤት ብምግባር
8. ዚምስጥ መእተዊ ምጥቃም፡ ዝያዳ ኣስላጢ ንኽትከውን ኪሕግዘካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
8 ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ስሩዕ ኴንና ንሳተፍ እንተ ደኣ ኣሊና፡ ክእለት ኣቀራርባና ኸነማዕብል ይሕግዘና። ነቲ ማዕጾ ምስ ኳሕኳሕካ፡ ዝርርብ ንምጅማር ዘሎካ ኽእለት ዝያዳ ኣስላጢ ብዝዀነ መእተዊ ጌርካ ኸተመሓይሾ ምኸኣልካዶ፧ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ክትመርሕ ከለኻ፡ ዝያዳ ኽኢላ መምህር ክትከውን ምኸኣልካዶ፧ ከምዚ ምስ እትገብር ነቲ ኣብ ኣገልግሎት እተሕልፎ ግዜኻ ብግቡእ ትጥቀመሉ፡ ንኣገልግሎትካ ድማ ዝያዳ ኣስላጢ ትገብሮ ማለት እዩ።—1 ጢሞ. 4:16 (km 6/99 ገጽ 4፡ ሕ.ጽ. 8)
9. ሓደ ዕቤት ዚገብር ኣስፋሒ ብኸመይ ይልለ፧
9 ፊልጲ 3:16 ኸም እትሕብሮ፡ ኵላትና ዕቤት ከነርኢ ኽንጽዕር ይግብኣና። እታ “ዕቤት” እትብል ቃል ትርጕማ “ንቕድሚት ገጽካ ምድፋእ፡ ምዕባለ ምርኣይ” ማለት እያ። እቶም እናዓበዩ ዝኸዱ ሰባት፡ እቶም “ብሓድሽ ሓሳባት፡ ርኽበታት፡ ወይ ድማ ኣጋጣሚታት ዚግደሱ” እዮም። ጳውሎስ ነቶም ሰብ ፊልጲ፡ ክርስትና ፈጺሙ ደው ዘይብልን እቶም ንስዕቦ ኢና ዝብሉ ድማ ንቕድሚት ገጾም ኪደፍኡ ኸም ዘለዎምን ኪፈልጡ ይደልዮም ነበረ። እቲ እናዓበየ ዚኸይድ መንፈሶም፡ ገዛእ ርእሶም ኪምርምሩን ድኻሞም ኪእመኑን ኣብዚሖም ኪዓዩን፡ ወይ ድማ ነቲ ዚዓይዎ ዝነበሩ ንኼመሓይሹ ፍቓደኛታት ብምዃኖም እዩ ዚግለጽ። ሎሚ እቲ ውድብ የሆዋ፡ ንጥፈታቱን ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ዘለዎ ምርዳእን እናኣስፍሐ ንቕድሚት እናሰጐመ ይዓቢ እዩ ዘሎ። ነፍሲ ወከፍና ኻብ ኵሉ እቲ እተገብረልና መሰናድዎ ብምጥቃምን ኣብቲ ዕዮ ምሉእ ብምሉእ ብምስታፍን ምስቲ ውድብ ክንስጕም ይግብኣና። (km 8/94 ገጽ 3፡ ሕ.ጽ. 4)
10. ዕቤት ዚገብሩ ኣገልገልቲ እንታይ ሸቶ ንምውቃዕ እዮም ዚቃለሱ፧
10 ዕቤት ዚገብሩ ኣገልገልቲ፡ ኣብ ኵሉ ዚረኽብዎ ኣጋጣሚታት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጀምሩ ይጽዕሩ እዮም። ገሊኦም ኣስፋሕቲ ኣብ መጀመርታ ምብጻሖም መጽናዕቲ ኼጀምሩ ኽኢሎም እዮም። ነቲ ብዓል ቤት ጽሑፍ ከተርእዮ ኸለኻ፡ ኣቐዲምካ ዝመረጽካዮ ሕጡብ ጽሑፋት ተጠቐም። እቲ ሕጡብ ጽሑፋት ምስቲ መመያየጢኹም ጕዳይ ብቐጥታ ዚተሓሓዝ ኪኸውን ኣለዎ፡ ተገዳስነት ኬበግስ ዚኽእል ሕቶታት ድማ ኣዳሉ። ከምዚ ንምግባር ተጠንቂቖም ዚዳለዉ ኣስፋሕቲ፡ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጅማር ብዝያዳ ዕዉታት ይዀኑ እዮም። (km 6/86 ገጽ 3፡ ሕ.ጽ. 7 እንግሊዝኛ)
ብዛዕባ ሰባት እትግደስ ብምዃን
11. ደቀ መዛሙርቲ ብምግባር ዝመጸ ዕዉታት ዝዀኑ ኣስፋሕቲ፡ ብዛዕባ እንታይ እዮም ዚግደሱ፧
11 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ዝያዳ ኣሳልጦ ዚረኽቡ ኣስፋሕቲ፡ ካብ ብዛዕባ ሰዓታት ወይ ዚዕድልዎ ጽሑፋት ንላዕሊ፡ ብዛዕባ ሰባት እዮም ዚግደሱ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማር ድማ የገድሶም እዩ። እንተ ተኻኢሉ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ንዚረኽብዎ ሰብ፡ “መምጽኢና፡ ብናጻ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ንምትብባዕ እዩ፡ እዚ ብኸመይ ከም ዚግበር ሓጺር መርኣዪ ኸነርእየካ ተዳሊና ኣለና” ይብሉ። እዚ ኣቀራርባ እዚ ውጽኢታዊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ሓደ ኣስፋሒ ኻብ ቤት ናብ ቤት እናኣገልገለ ኸሎ፡ ሓደ ብዓል ቤት ኵልፍ ኣቢሉ፡ “ኣሕጽር ኣቢልካ እስከ ንገረኒ! እንታይ ኢኻ ደሊኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። እቲ ኣስፋሒ፡ “ብናጻ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ክትገብር ክዕድመካ እየ ደልየ” በሎ። እቲ ብዓል ቤት ነቲ ዕድመ ተቐበሎ። (km 4/79 ገጽ 1፡ ሕ.ጽ. 7 እንግሊዝኛ)
12. ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር ፍቓደኛታት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
12 መብዛሕትና ሕጂ ኣብ ሓቂ ኽንህሉ ዝኸኣልና፡ ሓደ ኣስፋሒ ብትዕግስቲ ተመላሊስካ ምብጻሕ ስለ ዝገበረልና እዩ። ሓደ ኻብዚኣቶም እንተ ደኣ ዄንካ፡ ‘እቲ ኣስፋሒ ኺመጽእ ከሎ ኣብ መጀመርታ እንታይ ስምዒት ከም ዘሕድር እየ ገይረዮ፧ ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ መጀመርታ ምስ ሰማዕክዎ፡ ነቲ መልእኽቲ ሽዑ ንሽዑዶ ተቐቢለዮ እየ፧ ዘይግደስዶ እመስል ነይረ እየ፧’ ኢልካ ንገዛእ ርእስኻ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ። እቲ እንደገና ዝበጽሓና ሰብ፡ ‘ብኣምላኽ ብምትባዕ’ ተመላሊስካ ምብጻሕ ኪግበረልና እንበቅዕ ገይሩ ብምርኣይ ስለ ዝበጽሓና፡ ነቲ ሓቂ ንኺምህረና ድማ ብምቕጻሉ ኽንሕጐስ ኣሎና። (1 ተሰ. 2:2) እዚ ዚስዕብ ተመክሮ ኸም ዚሕብሮ፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኣድላዪ እዩ።
13. ብተገደስቲ ተቐላጢፍና ተስፋ ኽንቈርጽ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧ ብኣብነት ኣረድእ።
13 ክልተ ኣስፋሕቲ ንግሆ ኣብ መገዲ እናመስከራ ከለዋ፡ ሓንቲ ኣብ ዓረብያ ቘልዓ ዝሓዘት ሰበይቲ ረኸባ። እታ ሰበይቲ መጽሔት ወሰደት፡ ነተን ኣሓት ኣብታ ቐጺላ ዘላ ሰንበት ናብ ገዛኣ ኺመጽኣ ድማ ዓደመተን። ኣብቲ ቘጸራአን በጽሓ፣ እንተዀነ ግን እታ ብዓልቲ ቤት ከተዛረበን ግዜ ኸም ዘይብላ ነገረተን። ይኹን እምበር፡ ኣብታ ቐጺላ ዘላ ሰሙን ኪረኽብኣ ኸም ዚኽእላ ነገረተን። እተን ኣሓት ነቲ ቘጸራ ተኽብሮ ድያ ኣይተኽብሮን ተጠራጠራ፣ እንተዀነ ግን፡ ምስ ተመልሳ እታ ሰበይቲ ኽትጽበየን ጸንሐት። መጽናዕቲ ተጀመረ፡ ናይታ ሰበይቲ ዕቤት ድማ ዜገርም ነበረ። ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ብስሩዕ ኣብ ኣኼባታትን ኣገልግሎት ወፍርን ክትካፈል ጀመረት። ሕጂ ጥምቕቲ እያ። (km 3/97 ገጽ 3፡ ሕ.ጽ. 5, 6)
ብእተወደበ መገዲ ብምዕያይ
14-16. ጽቡቕ ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር ኣድላዪ ዝዀነ እንታይ እዩ፧
14 “ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ባህ ዜብል ዝርርብ ኢና ጌርና! ነዚ ተመላሊስካ ምብጻሕ ምእንቲ ኽገብረሉ ኽርስዖ የብለይን” ኢልካ ኽነስኻ፡ ደሓር ግን እቲ ሰብ ኣበይ ከም ዚነብር ህልም ዝበለካ እዋን ኣጋጢሙካዶ ይፈልጥ፧ ኣጋጢሙካ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር ከም ዘይትርስዕ ርግጸኛ ኽትኰነሉ እትኽእል እንኮ መገዲ ኣብ ጽሑፍ ምስፋር ምዃኑ ትፈልጥ ኢኻ።
15 ንዅሉ ሓበሬታ ጽሓፎ። እቲ ምስ ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብ ዝገበርካዮ ዝርርብ ካብ ኣእምሮኻ ኸይሃሰሰ ኸሎ፡ ንዅሉ እቲ ዜድሊ ሓበሬታ ጽሓፎ። ናይቲ ሰብ እቲ ስምን ብኸመይ ከም እተለልዮን ጽሓፍ። ኣድራሻኡ መዝግብ፣ እንተዀነ ግን፡ ብትኽክል ደኣ መዝግቦ እምበር ብግምት ኣይትጽሓፍ። ብዛዕባ እንታይ ከም እተዘራረብኩም፡ ዘንበብካሉ ጥቕሲ፡ ከምኡውን ዝሃብካዮ ጽሑፍ መዝግቦ።
16 ኣብ ዚቕጽል እትምልሳ ሕቶ ሓቲትካዮ እንተ ደኣ ዄንካ እውን፡ ነታ ሕቶ መዝግባ። ብዛዕባ እቲ ሰብ፡ ብዛዕባ ስድራ ቤቱ፡ ወይ ብዛዕባ ሃይማኖቱ ዘስተውዓልካዮ ነገር ኣሎዶ፧ እንተሎ ነዚ እውን ጽሓፎ። ኣብ ዚቕጽል ክትበጽሖ ምስ ከድካ፡ ነዚ ነገራት እዚ ምስ እትጠቅስ ብብሕቲ ኸም እትግደሰሉ ኼንጸባርቕ እዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ኣብ መጀመርታ እተራኸብኩምሉ፡ ከምኡውን ክምለሰካ እየ ዝበልካዮ መዓልትን ሰዓትን ኣብ መዝገብካ ኣስፍር። ርጡብ መዘኻኸሪታት ምሓዝ፡ ብንጹር ንኽትዝክርን ተመሊስካ ንኽትበጽሖ ዝኣተኻዮ መብጽዓ ንኸይትርስዕን ኪሕግዘካ እዩ።—1 ጢሞ. 1:12።
17. ተገዳስነት ንዘርኣዩ ዝመዝገብካሉ መዘኻኸሪ ምእንቲ ኸይጠፍኣካ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
17 መዝጊብካ ምስ ወዳእካ፡ ኵሉ ሳዕ ብቐሊሉ ነቲ መዘኻኸሪ ምእንቲ ኽትረኽቦ፡ ምስቲ ንኣገልግሎት እትጥቀመሉ ኻልእ መሳርሒታት፡ ማለት ኣብቲ መጻሕፍቲ እትሕዘሉ ቦርሳ፡ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መጽሓፍ ሪዝኒን፡ ከምኡውን ምስ ጽሑፋት ብሓደ ግበሮ። ንተመላሊስካ ምብጻሕ ጽፉፍ መዝገብ ኣብ ምሓዝ እትገብሮ ጻዕሪ ኽሳዕ ክንደይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ እቲ ዝያዳ ኣድላዪ ተመሊስካ ምኻድ እዩ! (km 4/00 ገጽ 8፡ ሕ.ጽ. 1-4)
18. ተመላሊስካ ምብጻሓት ምእንቲ ኽንገብር፡ ከመይ ጌርና ብእተወደበ መገዲ ኽንዓዪ ንኽእል፧
18 ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን፡ እተወሰነ ግዜ ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣብ ምግባር ከተሕልፍ ጽቡቕ እዩ። ጽቡቕ መደብ ብምግባር ብዙሕ ኪዕመም ይከኣል እዩ። ኣብቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት እትዓየሉ ቦታ ዚርከቡ ተመላሊስካ ምብጻሓት፡ ብሓደ ግበሮም። (km 3/97 ገጽ 6፡ ሕ.ጽ. 28)
19. ቀዳማይ ቈረንቶስ 7:29 ኣብቲ ንዕዮ ስብከት ዘሎና ኣረኣእያ እንታይ ጽልዋ ኺህልዋ ኣለዎ፧
19 ‘እቲ ዘመን ሓጺር ብምዃኑ፡’ ኣብቲ ክርስትያናዊ ዕዮታት ትሑዛት ክንከውን ኣሎና። (1 ቈረ. 7:29) እቲ ኣብ ስብከት እንምድቦ ግዜ፡ ካብቲ ብቐዳምነት እንሰርዖ ነገራት፡ እቲ ናይ መጀመርታ ኪኸውን ኣለዎ። ሃየ እምበኣር፡ ኣብቲ ኣገልግሎት ዕዙዝን ቅንኣት ዝመልኦን ተሳትፎ ንግበር። ግዜ፡ የሆዋ ዝሃበና ዜደንቕ ጥሪት እዩ። ኵሉ ሳዕ ብጥበብን ብግቡእን ንጠቐመሉ። (km 6/99 ገጽ 4፡ ሕ.ጽ. 9)