ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/09 ገጽ 4
  • ሕቶ ሳጹን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶ ሳጹን
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ግምቢ ዘብዐኛ እንታይ እዩ፧
    ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
  • ኣብ መንጎ ኣመሓዳሪ ኣካልን ሕጋዊ ትካልን ዘሎ ፍልልይ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ፍሉይ ምልክታ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ንቦታታት ኣምልኾ እተሰርዐ ስርዓት
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
km 4/09 ገጽ 4

ሕቶ ሳጹን

◼ ጉባኤታት ወይ ውልቀ-ሰባት ነቲ ንሕጋዊ ትካላት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜገልግል ምልክታት ኪጥቀሙሉ ግቡእ ድዩ፧

ኣብዚ ምልክት ተባሂሉ ዘሎ፡ ብቐሊሉ ንኺልለ ተባሂሉ ዚዳሎ ስም፡ መዓለም፡ ወይ ምልክት ንግዲ እዩ። ምልክት ግምቢ ዘብዐኛ ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፐንሲልቫንያ ኸምኡውን ነቲ ውድብና ዚጥቀመሉ ኻልእ ትካላት ይውክል። ክርስትያናዊት ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ እትልእኮ ደብዳበታት፡ ስእሊ እተቐልዐት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ምልክት ኰይኑ የገልግል። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙለን ካልኦት ትካላት፡ እተፈላለየ ምልክታት ይጥቀማ እየን።

ጉባኤታት ወይ ውልቀ-ሰባት፡ ኣብ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣብ ታቤላታት፡ ኣብ ደብዳበታት፡ ኣብ ብሕታዊ ኣቕሑ፡ ከምኡውን ኣብ ካልእ ነገራት፡ ምልክታት ወይ ስማት ሕጋዊ ትካላት ውድብና ወይ ንዕኡ ዚመስል ኪጥቀሙ የብሎምን። ንምልክታት ውድብና በዚ ኸምዚ መገዲ ምጥቃም፡ ሰበ-ስልጣንን ኣስፋሕትን ካልኦትን ነቲ ኣብ መንጎ ጉባኤታትን ሕጋዊ ትካላት ውድብናን ዘሎ ርክባት ብጌጋ ኸም ዚርድእዎ ኺገብሮም ይኽእል እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ነዚ ምልክታት እዚ ዝሓዘ ደብዳበታት፡ ካብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ወይ ካብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ከም እተላእከ ጌርካ ብጌጋ ኺውሰድ ይከኣል እዩ።

ምልክት ግምቢ ዘብዐኛ ወይ ንዕኡ ዚመስል ምልክት፡ ድሕሪ ሕጂ ኣብ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ጥቕሚ ኺውዕል የብሉን፣ ሓደ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዋላ እውን ብትካል ግምቢ ዘብዐኛ ዚውነን ይኹን፡ ከምኡ ኺግበር የብሉን። ነዚ ምልክት እዚ ኣብ ዘለዎ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ዚእከባ ጉባኤታት፡ ነቲ ምልክት ወይ ንድፊ ምልዋጡ ብዙሕ ግዜን ጻዕርን ወጻእን ስለ ዚሓትት፡ ብቕልጡፍ ኬወግዳኦ ኣይሕተታን እየን። ንምውጋዱ ቐሊልን ብዙሕ ጻዕሪ ዘይሓትትን እንተ ዀይኑ ግን፡ ለውጢ ንምግባር ኪሓስባሉ ኣለወን። እንተዀነ ግን፡ ዓብዪ ለውጢ ዚሓትት እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ህንጻ ወይ ታቤላ ንምሕዳስ መደብ ኣብ እተታሕዘሉ ግዜ ኺግበር ይከኣል እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ