ጕሉሕ ነጥብታት ኣገልግሎት ወፍሪ
ኣብ ታሕሳስ ዝገበርናዮ ንጥፈታት፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ጥራይ ዳራጋ 100 ዚዀኑ ኣስፋሕቲ ብምውሳኽ፡ 8,462 ሓድሽ ዝለዓለ ቝጽሪ ኣስፋሕቲ ጸብጻብ ከም እተዋህበ፡ እዚ ኸኣ ካብ ታሕሳስ 2007 ልዕሊ 5% ወሰኽ ከም ዘርኣየ ምፍላጥና ብዙሕ የሐጕሰና እዩ። ኣስፋሕቲ ስሩዓት ንኪዀኑ፡ ሓደስቲ ዘበሉ ኸኣ ንየሆዋ ምውዳስ ንኺጅምሩ ጻዕሪ እንተ ተገይሩ፡ ኣብቲ ኣብ ዚመጽእ ኣዋርሕ ዚግበር ፍሉይ ወፈራ ኽልን ንጥፈታት በዓል ዝኽርን ዝያዳ ወሰኽ ንጽበ ኢና። ኣብዚ እዋን እዚ፡ 6,045 ዚኣኽሉ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዘለዉ፡ ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ እውን ጽቡቕ ዕቤት ኣሎ። ነዚ ሰናይ ዕዮኹም ቀጽልዎ!