መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሚያዝያ
“ገሊኦም ሰባት፡ ህይወትና ኣቐዲሙ እተወሰነ ኸም ዝዀነ ይኣምኑ፣ ገሊኦም ከኣ፡ ዕድሎትና ባዕልና ኸም እንውስን ይኣምኑ። ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ነዚ ዚስዕብ ኣገዳሲ ሓሳባት እሞ ኣስተብህለሉ። [መክብብ 9:11 ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ‘ህይወትና ኣቐዲሙ እተወሰነ ድዩ፧’ ንእትብል ሕቶ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ትህብ።” ኣብ ገጽ 26 እትርከብ ዓንቀጽ ኣርኢ።
Awake! April
“ሓያሎ ሓዳር ብሰንኪ ዘይተኣማንነት፡ ብፍትሕ ይፈርስ እዩ። ነዛ እትስዕብ ጥቕሲ ኣብ ግብሪ ምውዓል ንሓዳር ዚሕግዝዶ ይመስለካ፧ [ማቴዎስ 5:28 ኣንብብ። ድሕሪኡ፡ መልሲ ተጸበ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይራ፡ ሰብ ሓዳር ንኺዳኖም ከይጠልሙ ትሕግዞም።” ኣብ ገጽ 28 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርኢ።
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ግንቦት
“ሓደ ሰብ ኣብ ኣምላኽ ንኺኣምን ኣጸጋሚ ዚገብሮ እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ [መልሲ ተጸበ።] ብመሰረት እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ እምነት ኣገዳሲት እያ። [እብራውያን 11:6 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ንእምነትና ንምድልዳል ዜድልየና ኣርባዕተ ስጕምትታት ትገልጽ።”
Awake! May
“ኣብዚ ግዜና ብዙሓት ሰባት መድሃኒት ብዘይግቡእ መገዲ ይወስዱ ኣለዉ። ነዚ ምኽንያት ዝዀኖ እንታይ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ነዚ ነገር እዚ ኣበርክቶ ዚገበር፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ቈልዑ ኣበርክቶ ዚገብር ዓብዪ ረቛሒ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተሓቢሩ ኣሎ። [ምሳሌ 13:20 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ከመይ ጌርካ ንርእስኻን ንደቅኻን ካብዚ ሽግር እዚ ኸም እትከላኸል ትገልጽ።”